Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Welcome Family

ውጥን „Welcome - Willkommen in Baden-Württemberg“

እዚ ናይ ምትሕብባር ውጥን „Welcome“ ንሓተትቲ ዕቕባ ኣብ ባደን-ቩርተምበርግ ኣብ ዝበጽሕሉ ኣዋን፣ ምእንቲ ክቐለሎምን፣ ከምኡ‘ውን ንዝተሰደዱ ሰባት፣ ነቲ ናይ ክኣትዉ ከለው ናይ ምቕባል ኩነታት ብጭቡጥ ንምምሕያሽ ግዲኡ ክጻወት‘ዩ። ምእንቲ‘ዚ ኢሎም፣ ናይ ስደተኛታት ቤት- ምኽሪ ናይ ባደን-ቩርተምበርግን( Flüchtlingsrat Baden-Württemberg)፣ ናይ ዲያቆኒ-ስራሕ ብራይስጋው-ሆኽሽቫልድ( Diakonischen Werke Breisgau-Hochschwarzwald)፣ ሎራሽ( Lörrach)፣ ከምኡ‘ውን ናይ ሰብኣዊ-መሰል ማእከል ካርልስሩህ( Menschenrechtszentrum Karlsruhe) ብክፍለ-ሃገር ደረጃ ናይ ሓባር-ውጥን ጌሮም ተሰማሚዖም።ቀረብና(ሓገዝና) ንሓተትቲ-ዑቕባ፣ ንስደተኛታት ናይ መቐመጢ ወረቀት ዘለዎም፣ ከምኡ‘ውን ብነጻ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝሳተፉ፣እዩ ዝምልከት።ናይ ፕሮጀክት(ውጥን) ግዜ:ካብ ሓምለ 2016 ክሳብ ሰነ 2018እዚ ፕሮጀክት(ውጥን) እዚ ካብ ምንጪ(ሃብቲ) ናይ ዑቕባን -ፍልሰትን - ምውህሃድን ካሳ ብሓባር ይኽፈል።