Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ናይ ሞያ-ትምህርቲ ከምኡ‘ውን ስራሕ

ኣብ ጀርመን ኩሉ ግዜ ኣይኮነን ክትሰርሑ ዝግበኣኩም። ክትሰርሑ ይግበኣኩም‘ዶ ኣይግበኣኩምን፣ ኣብ ናትኩም ታሴራ እዩ ዝምርኮስ። ክትሰርሑ ይግበኣኩም‘ዶ ኣይግበኣኩምን፣ ኣብ ንውሓት ናይ ኣብ ጀርመን ምቕማጥኩም እዩ ዝምርኮስ። ኣብ ናትኩም ታሴራ፣ ክትሰርሑ ከም ዝግበኣኩምን ዘይግበኣኩምን ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ናትኩም ታሴራ Erwerbstätigkeit ተጻሒፉ ኣሎ። Erwerbstätigkeit ካልእ ትርጉም ናይ ስራሕ ኣዩ። እንተድኣ ክትሰርሑ ወይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትገብሩ ደሊኹም፣ ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም Beratungs-Stelle ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣተን ናይ ምኽሪ ኣካላት Beratungs-Stellen ኣብ ናይ ስራሕ ምድላይ ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን። ናብ‘ዚ ዝስዕብ‘ውን Agentur für Arbeit ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣዛ ናይ ስራሕ-ትካል (Agentur für Arbeit) ኣብ ናይ ስራሕ ምድላይ ክትሕግዘኩም ትኽእል‘ያ።
ንናይ ብዙሓት ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ ጀርመን፣ ጽቡቕ ናይ ቋንቋ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ምዕራፍ Sprache und Bildung ብኸመይ ጀርመን ትመሃሩ፣ ሓበሬታታት ክትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ሞያ-ትምህርቲ ከምኡ‘ውን ስራሕ እዚ ዝስዕብ ሒዝካ Aufenthaltsgestattung

መብዛሕታኡ አዋን ናይ ስራሕ ፍቃድ የብልኩምን።.
አንደሕር ደኣ ኣብ መጀመርታ መቐበሊ ቦታ (EA) ትነብሩ ሃሊኹም, ዝቀልተፈ ድሕሪ 10 ወርሒ አዩ ስራሕ ዝፍቀደካ። (Erstaufnahmeeinrichtung, EA), በፍጹም ክትሰርሑ ኣይፍወደኩምን እዩ።
እንተድኣ ካብዘን ዝስዕባ ሃገራት መጺእኩም „Sicheres Herkunftsland“ ከምኡ‘ውን ድሕሪ ዕለት 31 ነሓሰ 2015 ናብ ሃገረ-ጀርመን ኣቲኹም፣ በፍጹም ክትሰርሑ ኣይፍቀደኩምን እዩ። እዚ ዝስዕብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም Schulische Ausbildung
ኩሎም ካልኦት ሰባት ናይ ስራሕ ፍቓድ-ወረቐት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፣ ስራሕ ንኽሰርሑ ናይ ደቂ-ወጻኢ ሰበ-ስልጣናት። እዚ ኽኣ ካብ መዓስ ኣትሒዝኩም ኣብ ጀርመን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ትነብሩ ኣለኹም፣ ካብ ዝብል እዩ ዝምርኮስ። ናብ‘ዚ ዝስዕብ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም Beratungs-Stelle።ስራሕ ንኽደልዩ ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

እንተድኣ ካብ 0 ኪሳብ 9 ወርሒ ኣብ መቐበሊ-ቦታ ትነብሩ ሃሊኹምን መጽንሒ ፍቃድ ሃሊኹምን
አተን 9 ወርሒ ንኽትሰርሑ ኣይፍቀደኩምን እዩ። ትቕይርዎ ነገር የለን እዚ ኣብ ታሴራኹም ስራሕ ፍቑድ ኣይኮነን „Erwerbstätigkeit nicht gestattet“ ተጻሒፍዎ ኣሎ።

[strong ]እንተድኣ ን10 ወርሒ ኣብ መቐበሊ-ቦታ ትነብሩ ሃሊኹምን መጽንሒ ፍቃድ ሃሊኹምን
ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ-ወረቐት ክትሰርሑ ኣይፍቀድን እዩ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዝየ ንፍሉይ ዓይነት ስራሕ፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክወሃበኩም ይኽእል እዩ።

Ausbildung
ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰር ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ናይ ሞያ-ትምህርቲ‘ውን ክትገብሩ ትኽእሉ ኣኢኹም። እንተድኣ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ናይ ሞያ-ትምህርቲ‘ውን ክትገብሩ ደሊኹም፣ካብቶም ናይ ስደተኛታት ሰበ-ስልጣናት ናይ ስራሕ ፍቓድ ምልክታ ከተቕርቡ ኣለኩም(Ausländerbehörde)። ገለ እዋን እንተድኣ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ናይ ሞያ-ትምህርቲ ትገብሩ ሃሊኹም ናይ ናይ ምጽናሕ ተቐባልነት ንኽህልወኩም ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እዚ ኽኣ ናይ ትምህረቲ-ናይ መጻንሒ ወረቐት (Ausbildungs-Duldung) ይበሃል። ነዞም ዝስዕቡ ሕተቱ ኢኹም ናይ ምኽሪ ኣካላት

Arbeit
ምስ‘ቲ ዘስርሓኩም ሰብ ኴንኩም ምልክታ ኣቕርቡ ኢኩም።እቲ እተቕርብዎ ምልክታ ከም‘ዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ይጽዋዕ Stellenbeschreibung።እቲ እትጽሕፍዎ ምልክታ ናብቶም ናይ ስደተኛታት ሰበ-ስልጣናት ክትሰድድዎ ኣለኩም።
እቶም ናይ ስደተኛታት ሰበ-ስልጣናትነቲ ምልክታ ናብ ናይ ስራሕ ቤት -ጽሕፈት ይሰዱዎ።
እቲ ናይ ስራሕ ቤት -ጽሕፈት ነቲ ናይ ምስራሕ ቅድመ-ኩነት ይምርምሮ። ንኣብነት ማዕረ ደሞዝ ከምቶም ካልኦት ሰራሕተኛታትዶ ይኽፈል፣ ማዕረ ናይ ስራሕ-ሰዓታት ከምቶም ካልኦት ሰራሕተኛታትዶ ይማላእ ዝብሉ ነገራት።

ኣብ ምሉአ ጀርመን የለን ቀዳሚነት ፈተና ኣብ ብዙሕ።
ታሴራኹም ናይ ስራሕ ፍቃድ ብናይ ስደተኛታት ሰበ-ስልጣናት(ናይ ደቂ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት) „Beschäftigung mit Genehmigung der Ausländerbehörde gestattet“ ተጻሒፉ ይርከብ ።እንተድኣ ኣብ ታሴራኹም „Beschäftigung mit Genehmigung der Ausländerbehörde gestattet“ ዝብል ዘይብሉ ኮይኑ፣ ነዞም ዝስዕቡ ሕተቱ advice officee
ካብ ናይ ስራሕ ቤት-ጽሕፈት ወይ ክኣ ካብዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም ናይ ምኽሪ ኣካላት office

እንተድኣ ኣብ ጀርመን ካብ 48 ንላዕሊ ትነብሩ ሃሊኹም
እንተድኣ ኣብ ጀርመን ካብ 48 ንላዕሊ ትነብሩ ሃሊኹም እቲ ናይ ደቂ ወጻኢ ጉዳይ በዓል-ስልጣን ስራሕ-ፍቑድ እዩ : „Beschäftigung gestattet“ ይጽሕፉልኩም እዮም። እቲኦም ናይ ስራሕ ቤት-ጽሕፈት ንናይ ስራሕ ቅድመ-ኩነት ኣማሊእኩምዶ ኣየማላእኩምን ኣይምርሙሩን እዮም።
እንተድኣ ክትሰርሑ ደሊኹም ብዝኾነ ነቶም ናይ ደቂ ወጻኢ ጉዳይ ሰበ-ስልጣናት“Ausländerbehörde“ ኢኹም ናይ ፍቓድ-ወረቐት እትሓቱ። እንተድኣ „Aufenthaltsgestattung“ ወይ ክኣ „Duldung“ ኣለኩም ናይ ግሊ-ስራሕ ኣይፍቀደኩምን እዩ።

ናይ ሞያ-ትምህርቲ ከምኡ‘ውን ስራሕ ነዚ ዝስዕብ ሒዝካ Duldung

ገለ ግዜ ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ካብ ሓደ ዉሑስ ዝኾነ መበቆላዊ-ሃገር „sicheren Herkunftsland“ መጺእኹም፣ ፈጺምኩም ክትሰርሑ ኣይግበኣኩምን እዩ። እንተድኣ ካብ ሓደ ዉሑስ ዝኾነ መበቆላዊ-ሃገር „sicheren Herkunftsland“ ዘይመጻእኩም፣ እቲ ኣገባባት ልክዕ ከምዚ ዝስዕብ ኣዩ Aufenthaltsgestattung። እዚ ዝስዕብ ምዕራፍ ኣንቡቡ ኢኩም Ausbildung und Arbeiten mit Aufenthaltsgestattung
እቶም ናይ ደቂ-ወጻኢ ሰበ ስልጣናት ገለ ግዜ እዚ ዝስዕብ ይገብሩ እዮም ausländerrechtliches Arbeitsverbot für Menschen mit Duldung። እንተድኣ ብመሰረት ናይ ደቂ ወጻኢ ሕጊ ስራሕ ንኸይትሰርሑ ተኸልኺልኩም፣ ክትሰርሑ ኣይግበኣኩምን እዩ። ገለ ግዜ እቶም ናይ ደቂ-ወጻኢ ሰበ ስልጣናት ጌጋ ክገምሩ ይኽእሉ እዮም። ናብ ምኽሪ ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱBeratungs-Stelle፣ እንተድኣ ብመሰረት ናይ ደቂ ወጻኢ ሕጊ ስራሕ ንኸይትሰርሑ ተኸልኺልኩም።

ናይ ሞያ-ትምህርቲ ከምኡ‘ውን ስራሕ ነዚ ዝስዕብ ሒዝካ Aufenthaltserlaubnis

ክትሰርሑን ሞያ ክትመሃሩን ትኽእሉ ኢኹም። ናብ‘ዚ ዝስዕብ Job Center ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ወይ ክኣ ናብ ሓደ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) Job Center ኪዱ። ስራሕ ኣብ ምድላይ ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም።

ናይ ተግባር-ልምምድ ከምኡ‘ውን ነጻ ኣገልግሎት

ኣብ ጀርመን፣ ገለ ስራሕ ኣሎ ቁሩብ ገንዘብ ዝርከቦ ወይ ዋላሓደ ገንዘብ ዘይርከቦ። ሓደ ናይ ተግባር-ልምምድ እምበኣር ስራሕ ከመይ ምዃኑ ንኽትፍትንዎ እዩ። ነጻ ኣገልግሎት ክኣ ንካልኦት ሰባት ንምሕጋዝ እዩ። ብዙሕ ናይ ናይ ተግባር-ልምምድ ከምኡ‘ውን ነጻ ኣገልግሎት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ናይ እንተርኔት ገጽ GGUA Homepage von GGUA ዝያዳ ሓበሬታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም (ግን ብጀርመን ጠራይ)።
ናብ ሓደ ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ኬድኩም ሕተቱ

ናይ ስራሕ-ዕድላት (AGH) ከም‘ኡውን ናይ ስደትኛታት-ምውህሃድ-ስጉትታት (FIM)

እንተድኣ ክትሰርሑ ትኽእሉ ኴንኩም፣እንተኾነ ግን ስራሕ እንተዘይብልኩም እዚ ዝስዕብ Sozialdienst ስራሕ ክህበኩም ይኽእል እዩ። ኣቲ ስራሕ AGH ወይ FIM ይበሃል። መብዛሕቱ እዋን እቲ ስራሕ ኣብቲ ትቕመጡሉ፣ ኣብቲ ትነብሩሉ እዩ።ከምኡ‘ውን እታ ከተማ ስራሕ ክትህበኩም ትኽእል እያ። ነዚ ስራሕ‘ዚ ኣገባብ ዘትሕዝ ሕግታታት ኣሎ። እንተድኣ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ተዋሂብኩም፣ ናይ ግድን እቲ ስራሕ ክትቅበልዎ ኣለኩም። ንምንታይ እዚ ስራሕ ክትሰርሕዎ ኣይትኽእሉን ምኽንያት እንተድኣ ኣለኩም፣ ናይ ግድን ነቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት (Sozialdienst) ክትነግርዎም ኣለኩም። እቲ ምኽንያታታት ክምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ: ናይ ሞያ-ትምህርቲ፣ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ፣ ሕማም። እንተድኣ እቲ ስራሕ ብዘይ ምኽንያት ዘይሰራሕኩሞ፣ ዉሑድ ገንዘብ ክወሃበኩም ይኽእል እዩ።
ዋላ ግለ-ሰባት ካብ‘ዘን ዉሕስ ናይ መቦቆል-ሃገራት ተባሂለን ዝስመያ „sicheren Herkunftsstaaten“ ዝመጹ FIM ክገብሩ ኣይፍቀዶምን እዩ።

ሓገዝ ኣብ ናይ ስራሕ ምድላይ

ኣብ ጀርመን ስራሕ ንኽርከብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕቱ እዋን ጀርመን ክትዛረብ ኣለካ ምእንቲ ስራሕ ኽትረክብ። ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ ናይJob Center ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ ናይ workeer.de ናይ jobbörse.de ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ብፍላይ ንስደተኛታት።
መብዛሕቱ እዋን ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) ይፈልጡ እዮም Beratungs-Stellen፣ ኣየናይ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብቲ ቦታ ኣሎ፣ከምኡ‘ውን ኣብ ምድላይ ናይ ስራሕ ይሕግዙኹም እዮም። ናብ ናይ ምኽሪ ኣካል(ቦታ) ኪዱ ኢኹም።

ዝያዳ ሓበሬታታት

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ ዝስዕብ ናይ እንተርኔት ገጽ ክትረኽቡ ጥኽእሉ ኢኹም ProAsyl። እቲ ሓበሬታታት ብጀርመንን ብእንግሊዝን ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።