Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ናይ ምኽሪ-ኣካላት (ቦታታት)

ኣብ ጀርመን ክመኽርኹም ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ናይቲ ዝሃቡዎ ምኽሪ ገንዘብ ይረኽቡ እዮም፣ ገሊኦም ግን ገንዘብ ኣይረኽቡን እዮም። ገለ ናይ ምኽሪ-ኣካላት (ቦታታት) ኣብ ፍሉይ ቦታታት እዮም ዝርከቡ፣ ወይ ክኣ ንፍሉያት ጉጅለታት ጠራይ እዮም ምኽሪ ዝህቡ።

ምኽሪ ኣብቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ

ኣብ‘ቲ ናይ መቐበሊ-ቦታ [glossary] [term] '26 ','ti'[/ text] [text] (ቀዳማይ መቐበሊ EA) [/ text] [/glossary] ማሕበራዊ-ኣገልግሎታት( sozialen Diensten) ኣሎ። እንተድኣ ሽግራትን ሕቶታትን ኣለኩም ናብ‘ዞም ማሕበራዊ-ኣገልግሎታት ኪዱ። [Break /] ኣብ‘ቲ ናይ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ንናይ ዕቕባ-መስርሕ ናይ ምኽሪ-ኣኣገልግሎት ኣሎ።ናይ መስርሕ(ኣገባብ)-ምኽሪ "Verfahrensberatung" ኽኣ ይበሃል። እንተድኣ ሓበሬታታት ወይ ሓገዝ ብዛዕባ ናይ ናይ ዕቕባኩም-መስርሕ ደሊኹም ናብኣቶም ኪዱ ኢኹም። ምእንቲ ሓገዝ ክትወሃቡ፣እቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎትን ናይ ዕቑባ-ምኽሪን ዝህቡ ገንዘብ ይኽፈሉ እዮም። [Break /] እቲ እወሃብዎ ኣገልግሎት ንዓኹም ናጻ እዩ(ኣይትኸፍሉሉን ኢኹም)።

ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ኣብ ናይ ሓባር-መዕረፊ

ኣንተድኣ ኣብዚ ዘይትቕመጡ ሃሊኹም Erstaufnahme-Stelle ኣንታይድኣ ኣብዚ ዝስዕብ Gemeinschafts-Unterkunft (GU) ወይ ክኣ ኣብ ሓደ ገዛ ትቕመጡ ሃሊኹም፣ ካልእ ናይ ማሕበራዊ-ኣገልግሎት መኻሪ ወይ መኻሪት ኣለዉ። ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ናይ ዑቕባ ክኣ ይብሃል። እቲ ማሕበራዊ-ኣገልግሎት መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ናይ ሓባራዊ-መዕረፊ (መቐመጢ) ሓደ ቤት-ጽሕፈት ኣለዎ። እንተድኣ ሓበሬታታት ወይ ክኣ ሓገዝ ንናይ ዑቕባ-መስርሕኩም ደሊኹም፣ናብ ናይ መስርሕ (ናይ ዑቕባ-መስርሕ)-መኸርቲ ኪዱ።
እቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ከምኡ‘ውን እቶም ናይ መስርሕ( ናይ ዑቕባ-መስርሕ)-መኸርቲ ገንዘብ ይወሃቡ እዮም፣ ምእንቲ ንዓኹም ክሕግዙኹም። ንዓኹም ግን ብጥራዩ እዩ።

ናይ ፍልሰት-ናይ ምኽሪ-ኣካል

እቲ ናይ ፍልሰት-ናይ ምኽሪ-ኣካል(ቦታ)፣ ናይ ፍልሰት-መኻሪ ናይ ዓበይቲ (MBE) ተባሂሉ‘ውን ይጽዋዕ እዩ። እንተድኣ Aufenthaltserlaubnis ኣለኩም፣ ናብ ናይ ፍልሰት-መኻሪ ናይ ዓበይቲ (MBE) ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ክኢላታት እዮም፣ ነዚ ዝስዕብ ንዘለዎም ሰባት Aufenthaltserlaubnis።
ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ

ናይ ፍልሰት-ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) ንመናእሰይ ከምኡ‘ውን መንእሰይ ዓበይቲ (JMD)

እንተድኣ ኣብ መንጎ 18 ን ኣብ ሞንጎ 27 ዓመት ኴንኩም ናብ JMD ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹ። ክመኽሩኹም ይኽእሉ እዮም። ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ JMD ኣድራሻ ናይ JMD ኣብ ጥቓኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። JMD ኣበይ ከምዝርከብ ኣብቲ ናይ ሓባራዊ-መዕረፊ (መቐመጢ) GU ነቲ ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።
እቶም JMD ገንዘብ ይወሃቡ እዮም፣ ምእንቲ ንዓኹም ክሕግዙኹም። ንዓኹም ግን ብጥራዩ እዩ።

ካልእ ናይ ምኽሪ-ኣካላት (ቦታታት)

ኣብ ገለ ከተማታት‘ውን ካልእ ናይ ናይ ምኽሪ-ኣካላት(ቦታታት) ኣለዉ። ነቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ናይ ሓባራዊ-መዕረፊ (መቐመጢ) GU ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተድኣ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ካላኦት ናይ ምኽሪ-ኣካላት (ቦታታት) ኣልዉ ኮይኖም።
እቶም ናይ ምኽሪ-ኣካላት (ቦታታት) ገንዘብ ይወሃቡ እዮም፣ ምእንቲ ንዓኹም ክሕግዙኹም። ንዓኹም ግን ብጥራዩ እዩ።

ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ)

ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ክብራዊ(ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ኣለዉ። እዚኣቶም ሰባት፣ ክሕግዙ ዝደልዩ፣ እንተኾነ ግን ገንዘብ ዘይወሃቡ እዮም። ነዞም ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) መብዛሕቱ እዋን ኣብ ሓባራዊ-መዕረፊ(መቐመጢ) GU ክትረኽቡዎም ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ናይ ስደተኛታታት-ቤት ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ Flüchtlings-Rat Baden-Württemberg እቲ ኣድራሻ ናይ ክብራዊ(ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ኣብ ጥኻኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ናይ ሓባራዊ-መዕረፊ(መቐመጢ) GU ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተድኣ ክብራዊ(ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ኣብ ጥኻኹም ኣለዉ።

እቶም ጠበቓታታት / እተን ጠበቓታት

ንገለ ነገራት ሓደ ጠበቓ /ሓንቲ ጠበቓ የድልየኩም እዩ፣ እቲ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ባዕልኹም ኢኹም ትኸፍልዎ።
ኣብዚ ዝስዕብ - ናይ ኢንተርኔት ገጽ ናይ ስደተኛታታት-ቤት ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ Baden-Württemberg [Verlinkung zu Internetseite http://fluechtlingsrat-bw.de/lokale-adressen-in-baden-wuerttemberg.html] እቲ ኣድራሻ ናይ ሓደ ጠ በቓ /ሓንቲ ጠበቓ ኣብ ጥኻኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ነቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ናይ ሓባራዊ-መዕረፊ (መቐመጢ) GU ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተድኣ ሓደ ጠበቓ /ሓንቲ ጠበቓ ኣብ ጥኻኹም ኣለዉ።

ናይ ስደተኛታት-ማሕበራት

ኣብ ገለ ቦታታት ስደተኛታት ማሕበራት ጌሮም ምእንቲ ነብሶም ብነብሶም ምእንቲ ክሕግዙ። ንናቶም ፖለቲካዊ-መሰል ይማኸሩን ይሰርሑን። ገለ ናይ ስደተኛታት-ማሕበራት ኣብ ገለ ፍሉጥ ዝኾነ ቦታታት ጠራይ ይሰርሓ።ናይ ኢንተርኔት ገጽ ናይRefugeewelcomepad ናይ W2eu.info ዝርዝር ኣስማት ናይ ስደተኛታታት-ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ስደተኛታት-ማሕበራት ክትምስርቱ ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ሕተቱ።

ዘይመንግስታዊ-ማሕበራት (NGOs)

ኣብ ጀርመን ንስደተኛታት ዝሕግዛ NGO ዝበሃላ ነጻ ዝኾና ዘይመንግስታውያን ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተ የማኽራን ይሰርሓን ንመሰል ናይ ስደተኛታት። እታ ዝዓበየት ዘይመንግስታውያን ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ክኣ (ንስደተኛታት) (Pro Asyl) ትበሃል። ኣብ [link] [href] https://www.proasyl.de/ [/ href] [newTab] [text] ገጽ ና Pro Asyl [/ text] [/ link] ብዙሕ ሓበሬታ ብጀርመንን እንግሊዝኛን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኩለን ክፍለ-ሃገር (ዞባ) ናይ ስደተኛታት ቤት-ምኽሪ ኣሎ። ኣብ ባደን-ቩርተምበርግ (Baden-Württemberg) ናይ ስደተኛታት ቤት-ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ (Baden-Württemberg) ዝበሃል ኣሎ። ኣዚ ናይ እንተርኔት ገጽ [link] [href] http://fluechtlingsrat-bw.de/ [/ href] [newTab] [text] ናይ ስደተኛታት ቤት-ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ (Baden-Württemberg) [/ text] [/ link] ብጀርመን ጠራይ ብዙሕ ሓበሬታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ስደተኛታት ቤት-ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ (Baden-Württemberg) ብተሌፎናትን ኢመይልን ምኽሪ ይህብ እዩ። እቲ ንይ ኢሜይል ኣድራሻ እዚ ዝስዕብ እዩ lautet [mailto] [mail] info@fluechtlingsrat-bw.de [/ mail] [text] info@fluechtlingsrat-bw.de [/ text] [/ mailto]።እቲ ቁጽሪ ተሌፎን ክኣ ኣዚ ዝስዕብ ኣዩ 0711 553 283 4። ሰኑይ፣ ሓሙስ፣ዓርቢ ኳብ 14 ክሳብ 17 Uhr ብተወሳኪ ሰሉስ ኳብ 14 ክሳብ 19 Uhr ድሕሪ ቅትሪ ክትድውሉ ትኽሉ ኢኹም።