Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ማሕበራዊ- ከምኡ‘ውን ጥዕናዊ ሓገዝ

እንተድኣ ስራሕ ዘይብልኩም፣ ኣብ ጀርመን ካብ መንግስቲ (ሃገር) ገንዘብ ትወሃቡ። እዚ ገንዘብ እዚ ማሕበራዊ-ሓገዝ (Sozialleistung) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ገንዘብ እዚ ዝተፈላለየ ብዝሒ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ብእቲ መሰረት ኣየናይ ሕጊ እቲ ገንዘብ ትወሃቦ እዩ።
ምስ ሓደ BÜMA, Aufenthaltsgestattung እቲ Ankunftsnachweis ብእቲ Duldung bekommen sie Asylbewerberleistungsgesetz
ምስ ሓደ Aufenthaltserlaubnis ብመሰረት እዚ ዝስዕብ ማሕበራዊ -ሕጊ Sozialgesetz (SGB II) ማሕበራዊ-ሓገዝ ትወሃቡ። እዚማሕበራዊ-ሓገዝ(Sozialleistung) ናይግድን ናብ Job Center ሕቶ ተቕርቡ። ሓገዝ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም ብቐጥታ ድሕሪ Anerkennungsbescheid ምርካብኩም። ምስ ሓደ እዚ ዝስዕብ Aufenthaltserlaubnis ከምኡ‘ውን ናይ ጥዕና-ውሕስነት ካርድ ክትውሃቡ ትኽእሉ ኢኹም Krankenversichertenkarte ንሕክምናዊ ክንክን።
ነዞም ዝስዕቡ ሕተቱ Migrationsberatungs-Stelle

ክንደይ ገንዘብ ክወሃብ እየ?

- ኣብ ናይ መጀመርያ-መቐበሊ
ኣብ‘ቲ ናይ መጀመርያ - መቐበሊ ቁሩብ ሰልዲ ኢኹም ትወሃቡ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ናይ መጀመርያ - መቐበሊ ዓራት መደቀስን ይወሃበኩም እዩ። እቲ ሰልዲ ወይ ኣብ ኢድኩም ወይ ክኣ ብቺፕ-ካርድ መልክዕ ትወስዱ።እቲ ትገዝእዎ ካብ‘ቲ ኣብ‘ቲ ቺፕ-ካርድ ዘለኩም ገንዘብ ይኽፈል። እንተድኣ በቲ ቺፕ-ካርድ ክትከፍሉ ዘይከኣልኩም ናብቶም ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናት ክትጠርዑ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ብዝምልከትናይ-ምኽሪ ኣካላት ሕቶኹም ኣቕርቡ.

- ካብ ሕብረተሰብ ሚምሕዳር (Gemeinde) ከምኡ‘ውን ናብ ወረዳ -ቤት ጽሕፈትን(Landkreis)
ሰልዲ ንመግቢ፣ድስተ፣ክዳን፣ሳኒ ከምኡ‘ውን ንጽሬት ዝኽውን ክትወሃቡ ኢኹም። ንመዘናግዒን፣ናይ መንቀሳቕሲ(ማለት ትርንስፖርት) ናይ ተሌፎን ዝኸ‘ውን ገንዘብ‘ውን ይወሃበኩም እዩ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ወርሒ 354 Euro ይወሃብ፣ ብ ርግጽ ከንደይ ይወስድ ግን ዓመታዊ አዩ ዝቅየር። ከም ሰብ-ሓዳር ወይ ክኣ ስድራ-ቤትን ክኣ ናይ ሓባር ገንዘብ ይወሃበኩም። ክንደይ ገንዘብ‘ዩ ዝወሃበኩም፣ኣብ ብዝሒ ናይ‘ታ ስድራ-ቤት ይምርኮስ። እቲ ገንዘብ ገለ ግዜ ኣብ ኢድኩም ከይወሃበኩም ይኽእል ኣዩ። ገለ ግዜ ክፋል ናይ‘ቲ ገንዘብ ብነገራዊ(ንኣብነት ኣቕሓ)። እንተድኣ ዉሑድ ገንዘብ‘የ ዝወሃብ ዘለኹ ዝብል ሓሳብ ኣለኩም? ን ]ናይ-ምኽሪ ኣካላት ሕቶኹም ኣቕርቡ .
ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ብቁሩብ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ክትወሃቡ ኢኹም።
እንተድኣ ሰሪሕኩም እቶት ረኺብኩም፣ካብ ካብ ማሕበራዊ-ሰበስልጣናት (Sozialamt) ውሑድ ገንዘብ ይወሃበኩም።

Krankenversorgung

እንተድኣ ሕማም ኣለኩም፣ ናብ ሓደ ሓኪም ይኹን ናብ ሓንቲ ሓኪም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንዓኡ ንምግባር ክኣ እዚ ዝስዕብ የድልየኩም Krankenschein። ናብዚ ዝስዕቡ ሕተቱ Sozialdienst፣ ካበይ ነዚ ናይ ጥዕና -ክንክን-ወረቐት Krankenschein ክትረኽቡ ከም ትኽእሉ።
እንተድኣ ሓደጋ ኣጋጢሙኩም ቁልጡፍ ሕክምና የድልየኩም እንተሃልዩ፣ ናብ ሓደ ሓኪም ይኹን ናብ ሓንቲ ሓኪም ወይ ክኣ ናብ ሆስፒታል ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።ንናይ ገለ ክንክን-ሕክምና ናይ ግድን ሕቶ (ምልክታ) ከተቕርቡ ኣለኩም። ናብዚ ዝስዕቡ ሕተቱ Sozialdienst፣ ከመይ ክትገብሩ ከም ትኽእሉ። ንኹሉ ክንክን ናይ ሕክምና ኣይክፈሎን እዩ።
ኣንተድኣ ናይ ሕክምና ሕቶኹም ተነጺጉ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹ። ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ምቕማጥኩም ሓንቲ ናይ ሕማም ውሕስነት-ካርድ ትወሃቡ Krankenversichertenkarte። ናይ ጥዕና-ክንክን-ወረቐት ኣየድልየኩምን እዩ።
ኣብ ጀርመን ናብ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሓኪም እውን፣ Psychologen oder einer Psychologin ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዙሓት ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሓካይም ኣለዉ ስደተኛታት ዝሕክሙ። ገለግዜ ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ማእከላት ይሰርሑ። እዘን ማእከላት እዚኤን(ሃገር-ለኸ ናይ ስራሕ-ማሕበር ንስደተኛታትን ንግዳያት-ስቓይን ) BafF-Zentren ይበሃላ። ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ ናይ BafF እዚ ዝስዕብ ይርከብ > ሓደ ሊስታ eine Liste ናይ ኩለን BafF-Zentren ኣብ መላእ ጀርመን።

ዝተረፈ ሓገዛት Sonstige Leistungen

ኣብ ሕጊ እዚ ዝስዕብ ቃል ኣሎ „sonstige Leistungen“። እንተድኣ ገለ ዘይተኸፍለ ነገር ኣሎ ኮይኑ፣ክትፍትኑ ትኽእሉ ኢኹም ሕቶ (ምልክታት) ናብ‘ዚ ዝስዕብ Sozialamt ከተቕርቡ። እቲ ሕቶ (ምልክታት) ክንጸግ ይኽእል እዩ። ናብ ናይ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle

ናይ ሓገዝ-ሙቕራጽ Leistungskürzungen

ኣቲ Sozialamt ቁሩብ ገንዘብ ክኸፍለኹም ይኽእል ኣዩ። እቲ Sozialamt ናይግድን ሓደ ምኽንያት ክህልዎ ኣለዎ፣ ቁሩብ ገንዘብ ንኽህቡኹም። ብኡኡ መሰረት እቲ Sozialamt ናይ ግድን ደብዳቤ ክሰደልኩብ ኣለዎ። ከምኡውን ኣብ‘ቲ ደብዳቤ እቲ ምኽንያት ክህሉ ኣለዎ። ነቲ ናይ ገንዘብ-ሙቕራጽ ክትነጽግዎ ትኽእሉ ናብ ናይ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle

ዝያዳ ሓበሬታታት

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ ዝስዕብ ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉProAsyl። ሓበሬታታት ብጀርመንን ብእንግሊዝን ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።