Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ሓበሬታታት ፍሉይ ምክልኻል ንዘድልዮም ስደተኛታት

ሕብረት ኤሮጳ ኣስፊርዎ ከብዝርከብ፣ገለ ሰባት ፍሉይ ዝኾነ ምክልኻል ዘድልዮም እዮም። እሳቶም ክኣ:
መሰነይታ ዘይብሎም (unbegleitete) ትሕቲ-ዕድመ፣ ኣካላዊ ጉድለት ዘለዎም ሰባት፣ ከቢድ ናይ ኣካል ወይ ክኣ ስነ-ኣእሙራዊ ሕማም ዘለዎም፣ ነብሰ-ጾራት፣ ደቀን በይነን ዘዕብያ ወይ ክኣ ልዕሊ 65 ዓመታት ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት።

ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ

ኣብ ጀርመን ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ኣሎ፣ ምእንቲ ጀርመን ክትመሃሩ።ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕቱ እዋን ኣብ ጀርመን እኹል ዝኾነ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ የለን።

ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ንጀመርቲ
ዝኾነ ሰብ ሓደ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ንጀመርቲ ክገብር ይኽእል እዩ። ቋንቋ-ትምህርቲ ንጀመርቲ ንምምሃር ዉሑድ ቦታ እዩ ዘሎ። መብዛሕቱ እዋን ቅድሚ ምጅማርኩም፣ናይ ግድን ክትጽበዩ ኣለኩም።
ኣብ ዝኾነ ዓዳዊ-ከባቢ ካልእ ሕግታት(ቅጥዕታት) ቋንቋ-ትምህርቲ ንጀመርቲ ኣሎ። ናብ ምኽሪ ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle ወይ ክእ Sozialamt፣ እንተድኣ ሓደ ቋንቋ-ትምህርቲ ንጀመርቲ ክትገብሩ ደሊኹም።

ናይምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ (Integrationskurs)
እቲ ትምህርቲ 6 ኣዋርሕ ይወስድ ከምኡ‘ውን. Jede ገንዘብ ይኽፈሎ እዩ።ዝኾነ ሰብ ናይ ምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ ክገብር ይኽእል እዩ።

ነቶም ሰባት ናይ ምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ ክመሃሩ ዝደልዩ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ፣ እንተድኣ ዘኣትሰርሑ ኴንኩም:
- ሰባት ምስ ሓደ Aufenthaltserlaubnis። ናይ ምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ ክትመሃሩ መሰል ኣለኩም። እንተድኣ ናይ ትምህርቲ ቦታ ዘይረኸብኹም፣ነዚ ዝስዕብ ሕተቱ ኢኹም Migrationsberatungs-Stelle
- ሰባት ካብ ኤርትራ፣ኢራቕ፣ ኢራን፣ ሱርያ ከምኡ‘ውን ሶማልያ ኣብ Asyl-Verfahren። ናይ ግድን ናብ BAMF ሓደ ሕቶ (ምልክታ) ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle
ዉሑድ ናይ ምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ‘ዩ ዘሎ። ምናልባሽ ንናይ ምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ኣይህሉን ይኸው። መብዛሕቱ እዋን ናይ ግድን ክትጽበዩ ኣለኩም፣ቅድሚ ምጅማርኩም።

ካልእ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ
ኣብ ገለ ከተማታት ካልእ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። ናብ ምኽሪ ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle

ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ
ኣብ ብዙሓት ከተማታት ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። እቶም መምሃራን ገንዘብ ኣይወሃቡን እዮም ከምኡ‘ውን ናይ ምምህርና ሞያ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣብ ናይ ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ መብዛሕቱ እዋን ቀልጢፍኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ክብራዊ (ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ Beratungs-Stelle ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ።

ቋንቋ ናይ ምምሃር መደብ
ጀርመን ንክትመሃሩ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ከምኡ‘ውን App(ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣብ ኢንተርኔት)። ዝርዝር ኣብ‘ዚ ዝቕጽል ኢንተርኔት ገጽ ናይ Pro Asyl

መረጋገጺ

ገለ ግዜ ሓደ ሓኪም/ሓንቲ ሓኪም ወይ ክኣ ሓደ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሓኪም/ሓንቲ ናይስነ-ኣእሙሮ ሓኪም Psychologe/Psychologin ናይ ግድን ከረጋግጽ ኣለዎ፣ ካብቶም ምክልኻል-ዘድልዮም ሰባት ምዃንኩም። ናይ ምኽሪ ኣካል(ቦታ) ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ

እንተድኣ 17 ኮይኑ ዕድመኹም ወይ ክኣ ትሕቲ 17 ዓመት? ብዘይ ስድራ-ቤትኩም ኣብ ጀርመን እንተድኣ ኣለኹም? በዚ መሰረት ንስኹም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ኢኹም። ፍሉይ ዝኾነ መሰል ኣለኩም። ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle ወይ ክኣ Jugendamt። እዚ ከኣ ፍሉይ ናይ መክሪ ቦታ ትረኽቡBundesfachverband unbegleitete minderjährige Flüchtlinge