Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ሓበሬታታት ንግለ ሰባት ካብ „ዉሑስ መቦቆል-ሃገራት“

ብርእይቶ ናይ መንግስቲ ጀርመን፣ ሃገርኩም ዉሑስ እዩ። ቡዙሓት ሰባት ኣብ ጀርመን ካልእ ርእይቶ ኣለዎም ከምኡ‘ውን ካብ ሃገርኩም ንኽትወጹ ጽቡቕ ምኽንያታት ከም ዘለኩም ይኣምኑኹም እዮም።
እንተድኣ ካብ ሓደ ሃገር መጺእኹም፣ጀርመን ከም ውሑስ „sicher“ ትቖጽሮ፣ ናይ ግድን መረጋገጺ፣ ንዓኹም ዉሑስ ከምዘይኮነ ከተቕርቡ ኣለኩም። እዚ ከቢድ እዩ።

ዓሌታዊ ዓመጽ

እንተድኣ ሰባት ኣፈራሪሆምኹም፣ ከም ጀርመን ስለ ዘይትመስሉ፣ ፍሉይ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣንተድኣ መጥቃዕቲ ሪኢኹም‘ውን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብዚ ዝስዕብ ቅጽሪ 0711 888 999 33 ክትድዉሉ ትኽእሉ ኢኹም። ሓገዝ ክትረኽቡ ኢኹም። እቲ ሓገዝ ብጥራዩ እዩ። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ስመ-ስዉር ከምኡ‘ውን ስቱር እዩ። ንብዙሕ ቋንቋታት ተርጎምቲ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ *ደቀንስትዮ ኣለዉ።

ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕብእኹም ንኻልእ ኣይወሃብን እዩ። ኣቶም ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) እንታይ መሰል ከምዘለኩም ይሕብሩኹም እዮም። እንተድኣ ክትጠርዑ ደሊኹም ናብ ፖሊስ ከሰንይኹም ይኽእሉ እዮም።ናብ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሓኪም/ሓንቲ ናይስነ-ኣእሙሮ ሓኪም Psychologen und Psychologinnen ክትከዱ እንተደሊኹም ክተሓባበሩኹም ይኽእሉ እዮም። እቲ ዘጥቅዕ ዘሎ ሰብ ዋላ‘ውን በዓል-መዚ ይኹን፣ ማለት (ጸጥታ፣ ፖሊስ፣ ናይ‘ቲ ትቕመጥሉ ዘለኹም ናይ ስደተኛታት ቦታ ሓለፍቲ ከምኡ‘ውን ካላኦት) ኣቶም ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) ናይ Baden-Württemberg እዚ ዝስዕብ ይበሃሉ
Die Beratungs-Stelle in Baden-Württemberg heißt Leuchtlinie

እቲ Anhörung

እቲ Anhörung ኢንተርቪው እዩ „Interview“። ኣዚ ንዓኹም ከቢድ እዩ።

እቲ Anhörung ኣዚ‘ዩ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ጌርኩም Anhörung ተዳለዉሉ ኢኹም። በጃኩም ምስ እዞም ኣማከርቲ ጉዳያት ቀዳምነት ቅድሚ ናብ ኢንተርቪው ምካድኩም ተዛረቡ Beratungs-Stelle ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ኣንቡቡ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ‘ሎ ። ከምኡ‘ውን ሓደ ረኣዩ ኣብዚ ፊልም ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ኣሎ ምእንቲ ንቃለ መሕትት(Anhörung)ክትዳለዉ።ሓደ ዝርዝር ካብ ሕቶታት ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ቃለ መሕትት ዝሕተት፣ ኣብዚ ኪትረክብዎ ትኰሉ እኩም hier። ኣብ ግምት ከተአትውዎ ዘለኩም ግን፣ አዚ ሕቶታት አዚ አቲ ብብዝሒ ዝሕተት ኣብነት አዩ። ዝተፈልየ ሕቶታት ውን ኽትሕተቱ ተኽአሎ ኣሎ። ካብዚ ወጽኢ ናትኹም ግድታ አዩ፣ ኣብ ቃለ መሕተት ኩሉ ኽትዛረቡ አቲ ሓቂ ዝኮን። ወላንተድ ብቅጥታ ዘይተሃተትኹም፣ ሓብሩ አንታይ ከም ዘጋጠመኹምን ኣብ ሃገርኩም፣ ስለምንታይ ከ ሓደገና ይከውን፣ አንድሕር ንሃገርካ ተመሊስኩም። ናይ ግድን ከተራግጋጽዎ ኣለኩም፣ ካብ መንግስትኹም ከም ከትህደኑ(ምክትታል ከምዝስዕበኩም)።
ብኣተሓሳስባ ናይ ጀርመን ኣብ ሃገርኩም ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘይህደን(ምክትታል ከምዘይስዕቦ) እዩ። ኣብዚ ተጥንቀቁ ንኹሉ ናይ ናይ ስደትኩም ምኽንያታት ክትገልጽዎ ኣለኩም። መሰላት ኣለኩም፣ ኩሎም ናይ ስደት-ምኽንያታት ክትገልጽዎም!

ቅድሚ ሓደ ደብዳቤ ናይ መንጸግቲ ምርካብኩም፣ ክትስሓቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

እቲ Anhörung

እቲ Anhörung ኢንተርቪው እዩ „Interview“። ኣዚ ንዓኹም ከቢድ እዩ።

እቲ Anhörung ኣዚ‘ዩ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ጌርኩም Anhörung ተዳለዉሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ > ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ‘ሎ ብዛዕባኡ Broschüre auf der Homepage asyl.net ከምኡ‘ውን ሓደ >>ፊልም ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ኣሎ Film auf der Homepage asylindeutschland.de ምእንቲ ን Anhörung ክትዳለዉ። ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ሕተቱ Beratungs-Stelle ከምኡ‘ውን ግለጹ ኢኹም፣ ሓገዝ ነቲ Anhörung ከምትደልዩ። ናይ ግድን ከተረጋግጹ„beweisen“ ኣለኩም ካብ መንግስትኹም ከትህደኑ።
ብኣተሓሳስባ ናይ ጀርመን ኣብ ሃገርኩም ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘይህደን(ምክትታል ከምዘይስዕቦ) እዩ። ንኹሉ ናይ ናይ ስደትኩም ምኽንያታት ክትገልጽዎ ኣለኩም። መሰላት ኣለኩም፣ ኩሎም ናይ ስደት-ምኽንያታት ክትገልጽዎም!

ቅድሚ ሓደ ደብዳቤ ናይ መንጸግቲ ምርካብኩም፣ ክትስጎጉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ፍሉያት ሕግታት

ኣብ ጀርመን ነቶም ዝተነጽጉ „ካብ ዉሑስ መበቆላዊ ሃገር“ ዝመጹ ጠራይ ዝተገብረ ሕግታት ኣሎ።

ናይ ስራሕ ምኽልካል
እንተድኣ ናይ ዕቑባ-ሕቶኹም ተነጺጉ ክትሰርሑ ኣይፍቀደኩምን እዩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ነዚ ውሳኔ እዚ ክትቅይርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተድኣ ናይ ዕቁባ ሕቶኹም(ምልክታኹም) ድሕሪ ዕለት 31 ነሓሰ 2015 ኣቕሪብኩሞ፣ ዋላ ኣብቲ ናይ ዕቕባ-መስርሕ እንኮለኹም‘ን ውን ክትሰርሑ ኣይፍቀደኩምን እዩ። እዚ ግን ኣይሰርሕን እዩ፣ ድሕሪ ናይ ባንፍ (BAMF) ምክሪ። ን ኣብነት ኣብ ኢንተርቪው እት ናይ ዕቑባ ሕቶኩም ምስ ትመልስዎ።

ናይ ቋንቋ ትምህርቲ
Some ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ነዞም ዝስዕቡ ስደተኛታት ጥራይ እዩ ዝምልከት።

መቐመጢ
ናይ ግድን ኣብቲ መቅበሊ ቦታ(EA) ኽትነቡ ኣልኩም ። ሰድራቤታት ምስ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ግን ዝነውሐ 6 ወርሒ ጥራሕ አዩ ኣፍቲ ቦታ ኽጸንሑ ዝፍቀደሎም። አንደሕር ደኣ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ኣለውኩምን ልዕሊ 6 ወርሒ እብቲ መቀበሊ ቦታ ኣለኩምን፣ ምልኽታ ኣቅርቡ፣ ካፍቲ ቦታ ኽትወጹ ከም ዝደልኩም። ነዚ ከኣ አዚ ሊንክ ኣልኩም ሓበሬታ ገጽ ን ሓደ ናየ ማኽታ ገጸን. ኣብዚ ነገራት ክትሓጋገይኩም ንሶስያለን ናይ ምኽሪ ኣኻ ላትን ሕተቱ።

ናይ ምንቅስቓስ እገዳ
እንተድኣ ኣብ‘ቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ-ቦታ(EA) ትንብሩ ሃሊኹም፣ካብ‘ቲ ዘለኹሞ ከባቢያዊ-ምምሕዳር ንኽትወጹ ኣይፍቀደኩምን እዩ። እንተዳኣ ካብ‘ቲ ከባቢኹም ወጺእኩም፣ክትቅጽዑ ኢኹም። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ገደብ ናይ ምኽሪ ኣካል ኣብ ቦታኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle

ኣንፈታት መጻኢ

እቲ ሕግታት ኣብ ጀርመን ንዓኹም ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ቀልጢፍኩም ክትሓስቡሉ ኣለኩም ኣየናይ ኣንፈታት ናይ መጻኢ ከም ዘለኩም። ኣብ ምዕራፍ 5 ከምኡ‘ውን ምዕራፍ 6 ረኣዩ ኢኹም Nach der Ablehnung des Asyl-Antrags - Rechtshilfe und weitere Perspektiven ናይ Aufenthaltsbeendigung und Abschiebung ምእንቲ ብዛዕባ ኣንፈታት መጻኢኹም ሓበሬታ ክትረኽቡ። ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ aktionbleiberecht.de ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ ምጥራዝ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ክትወጹ ደሊኹም (ካብ ጀርመን) ወይ ክኣ ካልእ ተኽእሎታት ዘይብልኩም ፣ ናብ ናይ ምምላስ ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ኪዱ ኢኹም Rückkehrberatungs-Stelle

strong] ናይ ስራሕ ቪዛ[
እንተድኣ ካብ ኣልባኒያ፣ ቦዝንያ-ሄርሲጎቪና፣ ኮሶቮ፣ ሰሜንማዮዶኒኣ፣ ማሶዶንያ፣ ሞንተኔግሮ ከምኡ‘ውን ካብ ሰርቢያ ዝመጻእኩም ኴንኩም (ደቂ እዘን ሃገራት እንተኴንኩም)፣ ምናልባሽ ናይ ስራሕ ቪዛ ክትረኽቡ ን ሓደ ስራሕ ሞያ ዘይነበርኩም ትኽእሉ ኢኹም። ኣንተኽዕነ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ፣ ኣብ ዉሑዳት ጉዳያት ጠራይ እዩ ዝሰልጥ፣ ናይ ግድን ሓደ ወሃብ ስራሕ ክትረኽቡ ኣለኩም፣ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ውዕል ዝህብ። ሓደ ናይ ስራሕ ቪዛ ጠራይ ኢኹም ትወሃቡ፣ እንተድኣ ን 24 ኣዋርሕ ዋላ ሓንቲ Asylbewerberleistungen ዘይተወሃብኩም ኴንኩም። ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓበሬታታት ኣብቲ ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ (ናይ ስደተኛታታት-ቤት ምኽሪ ባደን-ቩርተምበርግ) Flüchtlings-Rat Baden-Württemberg
ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle
ገለ ግዜ ናይ ደቂ ወጻኢ ሰበ ስልጣናት፣ ናብ ጀርመን ንምምጻእ ቀሊል ምዃኑ ይዛረቡ እዮም፣ መብዛሕቱ እዋን ግን ከቢድ እዩ።