Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ኣብ ጀርመን ዝኣተኹምሉ ዝበጻሕካሉን

እንቋዕ ኣብ ጀርመን ብደሓን መጻእኩም!
ተገዲድኩም ካብ ሃገርኩም ወጺእኹም። ምናልባሽ ነዊሕን ከቢድን ጉዕዞ ኔሩኩም ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣብ ውሽጢ ባደን-ቩርተምበርግ ኢኩም ዘለኹም። ባደን-ቩርተምበርግ ሓደ ፈደራላዊ-ሃገር ኣብ ውሽጢ ጀርመን‘ዩ። ጀርመን 16 ፈደራል(ክፍለ)-ሃገራት ኣለዋ። ኣብ ባደን-ቩርተምበርግ 11 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር። ባደን - ቩርተምበርግ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ይርከብ።
ኣብ ጀርመን እዚ ዝስዕብ Asyl-Gesuch እንኮላይ ሓደ Asyl-Antrag ክትገብር ኣለካ። ደሓር እቲ ምኽንያታት መህደሚኻ ክትገልጽ ኣለካ። እዚ ማለት Anhörung ። ብዙሓት ሰባት እንተርቪው ይብልዎ ነዚ Anhörung። ድሕሪ እዚ Anhörung ውሳኔ ይሓልፍ ብ Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ፣ ኣብ ጀርመን ክትጸንሑ ይግባኣኩምዶ ኣይግባኣኩምን ኣብዝብል። እቲ BAMF ውን ውሳኔ የሕልፍ ምሰየናይ Status ንስኹም ኣብ ጀርመን ክትጸንሑ ከምዝግበኣኩም። ክሳብ እንተርቪው ትገብሩ ገለ ግዜ ክሓጽር ገለ ግዜ ክኣ ክነውሕ Anhörung ይኽእል። ንዓኹም ኣብ ጀርመን ቡዙሕ ነገር ዝተሓላለኸን ከምኡ‘ውን ክቢድን እዩ። ኣብ ምዕራፍ 1 ከምኡ‘ውን ምዕራፍ 2፣ ኣብ ጀርመን እንታይ ኣብ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ከምዝፍጸም‘ውን ሰፊሩ‘ሎ።

Title Picture

ምእታውኩም (ናብ ሃገር ጀርመን)

ድሕሪ ምእታውኩም ናይ ግድን ሓደ Asyl-Gesuch ከማኡውን ሓደ Asyl-Antrag ክትገብሩ ኣለኩም። እንተድኣ እዚ ዝተጠቕሰ ዘይጌርኩም፣ ዘይሕጋዊያን ሰባት ኢኹም ኣብ ጀርመን። እዚ ከኣ ሓደ ገበን እዩ።
ምእንቲ ሓደ Asyl-Gesuch ከምኡ ከኣ Asyl-Antrag ክትገሩ፣ ናይ ግድን ናብ ሓደ Erstaufnahme-Stelle (EA)። እንተድኣ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣቲኹም፣ ቅድሚ ኣብ Erstaufnahme-Stelle ምንባርኩም፣ ዑቕባ ክትሓትቱ ከም ትደልዩ ንገሩዎም።
ብምኽንያት „ብዘይ ሕጋዊ ምእታው“ መቕጻዕቲ ክትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም።እንተድኣ ሓደ ደብዳቤ ናይ መቕጻዕቲ መጺኡኩም(ተዋሂብኩም)፣ ናብ ናይ ምኽሪ ዝወሃቦ-ቦታ ኪዱ Beratungs-Stelle

እቲ Erstaufnahme-Stelle (EA) ከምኡ‘ውን ካልእ መቐመጢ

ብቐዳምነት ናብ‘ቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ(Erstaufnahme, EA) ቦታ ክትከዱ ኣለኩም። ነዞም ዝስዕቡ ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle ኣበይ እቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ከም ዝኾነ ንክትፈልጡ። ኣብ‘ቲ ናይ መጀመርያ ናይ መቐበሊ ቦታ(EA) ናይ ዕቑባ-ሕቶኹም(ምልክታኹም) ተቕርቡ። መጀመርታ ግደታ አዩ ኣብቲ መቀበሊ ቦታ ኪትነብሩ። ብድሕሪኡ ሚናልባት ኪትቕይሩ ትከሉ አኩም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተድኣ ደሊኹም ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም መቐበል ኣጋይሽ መቐመጥን.
እንተድኣ ኣብ‘ቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ትነብሩ ሃሊኹም፣ካብ‘ቲ ከባቢ(Landkreis) ክትወጹ ኣይፍቀደኩምን እዩ (Landkreis)።ከም‘ዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ክኣ ይስመ ናይ ምቕማጥ-ግዴታ( ።ንዝያዳ ሓበሬታ ንናይ ምቕማጥ-ግዴታ(Residenz-Pflicht) ኣብ‘ቲ ናይ መጀመርያ መቐመጢ-ቦታ(EA)፣ ሕተቱ ኣዚ ናይ ምክሪ ቦታ[/ ። ኣብ ኣብ መቀበልን መንበርን ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ናይ መቐበሊ -ቦታ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምዝገባ ከም ሓታቲ-ዑቕባ

እንተድኣ ዑቕባ ክትሓቱ ደሊኩም፣ ቀዳምነት እዚ ዝስዕብ ክትወሃቡ ኢኹም „ወረቐት ከም ዑቕባ ሓታቲ (BÜMA) ወይ ውን„Ankunftsnachweis“።ድሕሪኡ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ሌጋል(ሕጋውያን) ኢኹም። ደሓር እቶም ሰበ-ስልጣናት ናይ ኣጻብዕኩም ኣሰር፣ ስእሊ፣ ክወስዱልኩም እዮም፣ከምኡ‘ውን ብዛዕባኹም ንኽፈልጡ ክሓትኹም እዮም። ብተወሳኺ እቶም ሰበ-ስልጣናት ብዛዕባ ታሰራኩምን ዶኩሜንትኹም ክሓትኹም እዮም። እንተድኣ ሞባይል ተሌፎን ምሳኩም ኣሎ፣ እቶም ሰበ-ስልጣናት ካበየናይ ሃገር ምኳንኩም ምእንቲ ክፈልጡ ክወስዱልኩም ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪኡ ግን ሞባይልኩም ኪመልሱልኩም እዮም። እንተድኣ ናይ መንነት ወረቐት ኣለኩም ከተረክብዎ ኣለኩም።
እቶም ሰበ-ስልጣናት እቲ ናይ መንነት-ወረቐትኩም ከጥፍእዎ ይኽእሉ እዮም። ናይ ወረቐትኩም ኮፒ(ቅዳሕ) ግበሩ ኢኹም።ከምዝሃብክዎም መርጋገጺ ወረቀት ሕተቱ። ምሉአ መሰል ኣለኩም መተኣማመኒ ወረቀት ኪትሓቱ።
ድሕሪኡ ናይ ዑቕባ-ሕቶ(ምልክታ) ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።አዚ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ሓጺር ን በጣዕሚ ነዊሕን ግዜ ይወሰድ ። ድሕሪኡ ካልአ መንቀሳቀሲ ወረቐት ክወሃበኩም እዩ። ኣብ‘ዚ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ኣቲኹም ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝያዳ ሓበሬታታት

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም www.w2eu.info። እቲ ሓበሬታታት ብዓረብ፣ ብፋርስ (ናይ ኢራን)፣ ብ ፈረንሳ ከምኡ‘ውን ብእንግሊዝ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።