መን እዩ ሓላፍነት ዝስከም?
ናይ ዑቕባ-መስርሕ ናትኩም ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ ካልእ ኤሮጳዊ-ሃገር ክትገብርዎ ኣለኩም፣ እንተድኣ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ከም ዝነበርኩም ተረጋጊጹ። ሓደ መረጋገጺ ክኣ፣ እዚ ዝስዕብ Visum Visum ናብ ሓደ ሃገር መእተዊ ኣለኩም፣ ንስኹም ኣብኡ Asyl-Antrag ጌርኩም ኴንኩም ወይ ናትኩም ናይ ኣጻብዕቲ-ኣሰር ተወሲዱ ኮይኑ። እቲ BAMF እትቕመጡሉ ኣበይ ምዃኑ ከረጋግጽ ይኽእል እዩ፣ እንተድኣ ንኣምነት ናይ ባቡር ትኬት ወይ ስእልታት ናይ‘ቲ ትነብሩሉ ሃገር ሒዝኩም ጸኒሕኩም።
ኣንጻር ናይ‘ቲ መንጸግቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክሲ ከምኡ‘ውን ህጹጽ ምልክታ(ሕቶ) ናብ ምምሕዳራዊ-ቤት ፍርዲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ደንጒኹም ኣቕሪብኩሞ፣ፈጺምኩም ካልእ ዕድል የብልኩምን።