Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ዓሌታዊ ከምኡውን ጾታዊ መጥቃዕቲ

ኣብ ጀርመን ዝኾነ ሰብ ብሰንኪ መቦቆሉ፣ ሕብሩ፣ ቋንቋኡ፣ ግብረ-ስጋዊ ዝምባሌኡ ወይ ክኣ ጾቱኡ ሕማቕ ክተሓዝ የብሉን። እዚ ኣብ ዓንቀጽ 3፣ ኣብ ሰረታዊ-ሕጊ (Grundgesetz) ኣሎ። እዚ ሰረታዊ-ሕጊዚ (Grundgesetz) ቅዋም ናይ ጀርመን እዩ።
ገለ ሰባት ነዚ ሕጊ ኣይክተልዎን እዮም። ንኻልኦት ሰባት የፈራርሁ፣ ይጸርፉ፣ ወይክኣ ይሃርሙ። ምስተኣምንዎም ተዛረቡ ኢኹም፣ ኣንተድኣ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙኩም። ከምኡ‘ውን ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) Beratungs-Stellen ክሕግዝኹም ይኽእሉ እዮም። ኣብርእሲኡ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) ኣለው።

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ

እንተድኣ 17 ኮይኑ ዕድመኹም ወይ ክኣ ትሕቲ 17 ዓመት? ብዘይ ስድራ-ቤትኩም ኣብ ጀርመን እንተድኣ ኣለኹም? በዚ መሰረት ንስኹም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ኢኹም። ፍሉይ ዝኾነ መሰል ኣለኩም። ኣለዎም። ናይ ምኽሪ ኣካል (ቦታ) ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle ወይ ክኣ Jugendamt

ፖሊስ

እንተድኣ ናይ ግድን ሓገዝ ደሊኹም ወይ ክኣ ካልእ ሰብ ናይ ግድን ሓገዝ ደልዩ፣ናብ ፖሊስ ደዉሉ ኢኹም።በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ 110 ደውሉ እንተድኣ ህጹጽ ኩነታት ኣለኩም። ቀትሪ ይኹን ለይቲ ክትድዉሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣዚ ዝስዕብ በሉ:
- ሽምኩም
- ትቕመጡሉ-ቦታ (ኣብቲ ትድዉሉሉ እዋን ኣበይ ከምዘለኹም?)
- ምኽንያት መደወሊኹም (ንምንታይ ደዊልኩም?)

ዓመጽ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ

እንተድኣ ሓደ ሰብ በዲልኩም፣ ኣፈራሪሁክን ወይ ኣቐይምክን፣ ሰበይቲ ስለ ዝኾንክን፣ ፍሉይ ሓገዝ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ከምኡ‘ውን ዓመጽ፣ ካብ ደቂ ሃገርኩም፣ካብ ኣባላት-ስድራ-ቤት ከምኡ‘ውን ካብ ብዓል-ቤትክን፣ ኣብ ጀርመን የቕጽዕ እዩ።
እንተድኣ ሓደ መጥቃዕቲ ሪኢኹም፣ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ቁጽሪ 0800 011 601 6 ደውላ። ቀትሪ ይኹን ለይቲ ክትድውላ ትኽእላ ኢኽን። ሓገዝ ክትረኽባ ትኽእላ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ስመ-ስዉር ከምኡ‘ውን ስቱር እዩ። ኣብኡ ናይ 25 ቋንቋታት ተርጎምቲ ኣለዋ። ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም www.hilfetelefon.de

ዓሌታዊ ዓመጽ

እንተድኣ ሰባት ኣፈራሪሆምኹም፣ ከም ጀርመን ስለ ዘይትመስሉ፣ ፍሉይ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣንተድኣ መጥቃዕቲ ሪኢኹም‘ውን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብዚ ዝስዕብ ቅጽሪ 0711 888 999 33 ክትድዉሉ ትኽእሉ ኢኹም። ሓገዝ ክትረኽቡ ኢኹም። እቲ ሓገዝ ብጥራዩ እዩ። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ስመ-ስዉር ከምኡ‘ውን ስቱር እዩ። ንብዙሕ ቋንቋታት ተርጎምቲ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ *ደቀንስትዮ ኣለዉ።

ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕብእኹም ንኻልእ ኣይወሃብን እዩ። ኣቶም ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) እንታይ መሰል ከምዘለኩም ይሕብሩኹም እዮም። እንተድኣ ክትጠርዑ ደሊኹም ናብ ፖሊስ ከሰንይኹም ይኽእሉ እዮም።ናብ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሓኪም/ሓንቲ ናይስነ-ኣእሙሮ ሓኪም ሓደ ወይ ሓንቲ ስነኣአምሮ ሓኪም (Psychologen und Psychologinnen) ክትከዱ እንተደሊኹም ክተሓባበሩኹም ይኽእሉ እዮም። እቲ ዘጥቅዕ ዘሎ ሰብ ዋላ‘ውን በዓል-መዚ ይኹን፣ ማለት ጸጥታ፣ ፖሊስ፣ ናይ‘ቲ ትቕመጥሉ ዘለኹም ናይ ስደተኛታት ቦታ ሓለፍቲ ከምኡ‘ውን ካላኦት።
ኣቶም ናይ ምኽሪ ኣካላት (ቦታታት) ኣብ ባድን ዉትምበርግ ይበሃሉ Leuchtlinie