Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ምውዳእ ናይ ምቕማጥ ከምኡ‘ውን ምስጓግ

ናትኩም Asyl-Verfahren ኣብ ጀርመን ተወዲኡ እዩ። ጀርመን ክትወጹ ትደልየኩም ኣላ። እንተድኣ ዘይወጺእኩም፣ ጀርመን ክትሰጎኩም እያ። ካልእ ቀጻሊ መደባት ስርዑ ኢኹም። ሓበሬታታት ኣክቡ ኢኹም። ዓቕሊ‘ኹም ኣይተጽቡቡ ኢኹም። ናይ
ምኽሪ-ኣካል(ቦታታት) ኣሎዋ Beratungs-Stellen ክሕግዛኹም ዝኽእላ።እንተድኣ ክትወጹ ደሊኹም ወይ ዋላሓደ ካልእ ተኽእሎታት ዘብልኩም ኴንኩም፣ ንሓንቲ ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ሕተቱ

እዚ ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)

እንተድኣ ክትወጹ ደሊኹም ወይ ዋላሓደ ካልእ ተኽእሎታት ዘብልኩም ኴንኩም፣, ንሓንቲ ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል (ቦታ) ሕተቱ። ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል (ቦታ) ብዛዕባ ካልእ ቀጻሊ ስጉምቲ ሓበሬታታት ይህብ። ገለ ግዜ እውን ካብ ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ንመውጽኢ ገንዘብ ክትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ integplan.de ሊስታ ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ግዜ glossary][term]'12', 'ti');" data-toggle="modal" data-target="#modalGlossar">Ausländerbehörden ብዛዕባ ምውጽእ ሓበሬታ ይህቡ‘ዮም። ገለ ግዜ ናይ ደቂ ወጻኢ-ሰብ መዚ ክደፋፍኡኹም ይፍትኑ‘ዮም ምእንቲ ክትወጹ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምስ ሓደ ነጻ ዝኾነ ናይ ምኽሪ-ኣካል ተዛረቡ ኢኹም Beratungs-Stellen

ብድሌትካ ምውጻእ

ሓደ „ብድሌትካ ምውጻእ“ መብዛሕቱ እዋን ካብ ምስጓግ።
- ጀርመን ነቲ ናይ ናይ መገሻ-ውጻኢ ትኸፍል
- ገለ ግዜ ቁሩብ ገንዘብ ትረኽቡ ኢኹም።
ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ሕተቱ።
- መብዛሕቱ እዋን ዋላ ሓንቲ ኣይትረኽቡን ኢኹም ወይ ሓጺር ጠራይWiedereinreisesperre ንጀርመን። ናይ ምምላስ ቤት ምኽሪ-ኣካል (ቦታ) ሕተቱ።
ንክትወጹ መደብ ከም ዘለኩም ንናይ ደቂ ወጻኢ-ሰብ መዚ ተዛረብዎም ኢኹም። በዚ መሰረት ንናይ ደቂ ወጻኢ-ሰብ መዚ ኣይሰጎኩምን እዩ።

ምጥራዝ – Abschiebung

እንተድኣ ክትጥረዙ ኴንኩም ኣይንገረኩምን እዩ።
ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ aktionbleiberecht.de ብዛዕባ ምጥራዝ ዝያዳ ሓበሬታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እንተድኣ ክትጥረዙ ኴንኩም፣ኣብ ታሴራኹም ማሕተም ክህረመልኩም ይኽእልእዩ።ንብዙሕ ዓመታት ሓደ ዳግመ-ምምላስ እገዳ (ምኽልካል) ክውሰደልኩም እዩ። ቅድሚ እንደገና ናብ ጀርመን ክትምለሱ ይግብኣኩም ምዃኑ ፍቓድ ዝወሃበኩም፣ናይግድን እቲ ናይ መጠረዚኹም ገንዘብ ክትከፍሉዎ ኣለኩም። ገለ ግዜ ክትጥረዙ ኣይግብኣኩምን እዩ እንተድኣ ከቢድ ሕማም ኣለኩም ወይ ክኣ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ኣለኹም፣። እንተድኣ ፖሊስ ገንዘብ ካባኹም ወሲዶም፣ ከምዝተቐበልዎ ናይግድን ሰነድ(መረጋገጺ) ክህቡኹም ኣለዎም።
ነቶም ፖሊስ ንገሩዎም፣ሰነድ(መረጋገጺ) ከምትደልዩ። እንተድኣ ትጥረዙ‘ለኹም፣ ንየዕሩኽትኹም ደዉሉሎም ኢኹም።
እቲ ፓይሎት ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ይውስን እዩ፣ ክበርርን ከይበርርን።እንተድኣ ክትጥረዙ ዘይትደልዩ ኴንኩም ፣ኣርእይዎም ኢኹም። ምናልባሽ እቲ ፓይሎት ወይ ክኣ እቶም ተሳፈርቲ ክሕግዙኹም ይኽእሉ ይኾኑ። ኣብቲ ናይ እንተርኔት ገጽ፣ nodeportation.antira.info ናይ w2eu.info ናይ Oplatz ዝያዳ ሓበሬታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ገለ ከተማታት ኣለዉ ሰባት ንዓኹም ዝተሓባበሩ፣ እንተድኣ ክትጥረዙ ዘይትደልዩ ኴንኩም።ንናይ ምኽሪ-ኣካል ሕተቱ Beratungs-Stelle ኣበይ እዞም ሰባት ከምዝርከቡ።

ሳዕቤን ናይ ምጥፋእ

ኣንተድኣ ኣብ ትጥረዙሉ እዋን ኣብ ቦታኹም ዘይተረኺብኩም፣ ምናልባሽ ፖሊስ እንደገና ክጥርዙኹም ክፍትኑ እዮም። ንናይ ምኽሪ-ኣካል ሕተቱ Beratungs-Stelle
ገለ ግዜ ገንዘብ ከይትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ግዜ ፖሊስ ክኣስርኹም ይኽእሉ እዮም። እንተኸፍአ ናይ ግደን ክሳብ ትጥረዙ ኣብ ሓደ ናይ ምጥርራዝ-ቤት ማእሰርቲ ክትእሰሩ ኢኹም። ንናይ ምኽሪ-ኣካል ሕተቱ ወይ ሓደ ጠበቓ/ ወይ ሓንቲ ጠበቓ Anwalt/eine Anwältin

ዘይሕጋውነት (Illegalität)

እንተድኣ ኣብ ጀርመን ብቑዕ ዘይኮነ (መዓልቱ ዝሓለፈ) ታሴራ ኣለኩም፣ ጀርመን ነዚ ዘይሕጋዊ ምቕማጥ ትብሎ (ትሰምዮ)። ገንዘብ ኣይወሃበኩምን እዩ።መብዛቱ እዋን ንሕማማትኩም መፈወሲ ዝኸውን ገንዘብ ኣይወሃበኩምን እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት እዚ ዝስዕብ ኣሎ Medinetze ሓገዛት ዘቕርቡ።

ሓካይም፣ናይ ምኽሪ-ኣካላት Beratungs-Stellen፣ ቤት-ትምህርትታት ከምኡ‘ውን ግለሰባት ናይ ግድን ናብ ፖሊስ ክትሕብሩ የምልኩምን። ሓገዝ ሕተቱ ኢኹም። ሂወት ብዘይ ወረቐት ብጣዕሚ ኸቢድ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ክኣ ኣንፈታት ናይ ዕድል የለን!

ዝያዳ ሓበሬታታት

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብዚ ዝስዕብ ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉ w2eu። ሓበሬታታት ብዓረብ፣ ብፋርስ (ናይ ኢራን)፣ ብ ፈረንሳ ከምኡ‘ውን ብእንግሊዝ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።