ዓይነታት ናይ ተቐባልነት
ኣብ ጀርመን 4 ዝተፈላለየ ተቐባልነት ኣሎ። ኣየናይ ተቐባልነት ከምዘለኩም፣ኣብቲ ዝተወሃብኩሞ ናይ ተቐባልነት-ኣፍልጦ (ወረቐት) ኣሎ።
ናይ ዑቕባ-ተቐባልነት ከምኡውን ናይ ስደተኛ-ደረጃ (ተቐባልነት)
እንተድኣ ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ወይክኣ እቲ ናይ ስደተኛ-ደረጃ (ተቐባልነት) ረኺብኩም፣ እዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም Aufenthaltserlaubnis ናይ እዚ blauen Flüchtlingspass።እቲ Aufenthaltserlaubnis ን 3 ዓመታት ትወሃብዎ። ድሕሪኡ እዚ ዝስዕብ Niederlassungserlaubnis ክትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ BAMF ንክማላእዘለዎ ቅድመ-ኩነት ምንዋሕ ናይ Aufenthaltserlaubnis እንተሎ ይምርምር። እንተድኣ እቲ ቅድመ-ኩነት ናይ‘ቲ Aufenthaltserlaubnis ተማሊኡ እንተሎ፣ ድሕሪ 5 ዓመታት ንዘይተወሰነ ግዜ ናይ መቐመጢ ወረቐት (unbefristete Niederlassungserlaubnis) ክትረኽቡ ይግባኣኩም እዩ።
እንተድኣ ናይ ተቐባልነት-ኣፍልጦ (ወረቐት) ኣለኩም፣ ናይስድራ-ቤታዊ ምትእኽኻብ ሕቶ (ምልክታ) Familienzusammenführung ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሕቶ (ምልክታ) ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከተቕርብዎ ትኽእሉ ኢኹም! ምስ‘ዚ ዝስዕብ ተዛረቡ ኢኹም Migrationsberatungs-Stelle።
ክሳብ ባዕልኹም ሰሪሕኩም ሰልዲ ተእትዉ፣ ካብ‘ዚ ዝስዕብ ገንዘብ ትረኽቡ Job Center። ብቐጥታ ድሕሪ ናይ ተቐባልነት-ኣፍልጦ (ወረቐት) ምርካብኩም፣ ናይ ግድን ናብ ናይ ስራሕ-ማእከል(JobCenter) ከምኡ‘ውን ናብ ማሕበራዊ-ደገፍ Sozialleistungen ሕቶ (ምልክታ) ከተቕርቡ ኣለኩም። ሓደ Integrationskurs ናይግድን ክትገብሩ ክትክእሉ ኣለኩም።
እንተድኣ ጸገማት ኣለኩም፣ ነዚ ዝስዕብ ኣካል ሕተቱ ኢኹምMigrationsberatungs-Stelle።
ዓለምለኻዊ ናይ ደገፍ (ሓገዝ) ምክልኻል
እንተድኣ እቲ ዓለምለኻዊ subsidiären Schutz ኣለኩም፣ ንሓደ ዓመት እዚ ዝስዕብ Aufenthaltserlaubnis ትወሃቡ። ድሓሪኡ እቲ Aufenthaltserlaubnis ን 2 ዓመታት ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ሰማያዊ ናይ ስደተኛታት-ፓስፖርት ክትወሃቡ ኣይትኽእሉን ኢኹምblauen Flüchtlingspass። ካብ 16.03.2018 ሓደ ሕቶ ወይ ምልክታ ንናይ ስድራ-ቤታዊ ምትእኽኻብ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ክሳብ ባዕልኹም ሰሪሕኩም ሰልዲ ተእትዉ፣ ካብ ናይ ስራሕ-ማእከል (JobCenter) ገንዘብ ትረኽቡ። ኣንተድኣ ሓደ ናይ ተቐባልነት-ኣፍልጦ (ወረቐት) ተወሂብኩም፣ ናይ ግድን ናብ ናይ ስራሕ-ማእከል (JobCenter) ከምኡ‘ውን ናብ ማሕበራዊ-ደገፍ (Sozialleistungen) ኬድኩም ሕቶ ወይ ምልክታ ኣቕርቡ። ቋንቋ ናይግድን ክትማሃሩ ክትክእሉ ኣለኩም። ስቕኢልኩም ብኢደዋኒንኩም ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዙ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተድኣ ክትግዕዙ ደሊኹም፣ ናብ‘ዚ ዝስዕብ ኪዱ Migrationsberatungs-Stelle።
ሃገራዊ ናይ ምስጓግ-ምኽልካል
ኣንተድኣ ሃገራዊ ናይ ምስጓግ-ምኽልካል ኣሎ (ተረኺቡ ኮይኑ)፣እዚ ዝስዕብ Aufenthaltserlaubnis ን 1 ዓመት። ድሕሪኡ እዚ ዝስዕብ Aufenthaltserlaubnis ክናዋሕ ይኽእል እዩ።
ሰማያዊ ናይ ስደተኛታት-ታሴራ ክትወሃቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተድኣ ስድራቤትኩም ናብ ጀርመን ክትስሕብዎም ደሊኹም፣ ናይ ግድን ብዙሕ ቅድመ-ኩነታት ከተማልኡ ኣለኩም። ናብ‘ዚ ዝስዕብ ኪዱ ኢኹም Migrationsberatungs-Stelle።
ክሳብ ባዕልኹም ሰሪሕኩም ሰልዲ ተእትዉ፣ ካብ ናይ ስራሕ-ማእከል (JobCenter) ገንዘብ ትረኽቡ። ኣንተድኣ ሓደ ናይ ተቐባልነት-ኣፍልጦ (ወረቐት) ተወሂብኩም ፣ ናይ ግድን ናብ ናይ ስራሕ-ማእከል (JobCenter) ከምኡ‘ውን ናብ ማሕበራዊ-ደገፍ (Sozialleistungen) ኬድኩም ሕቶ ወይ ምልክታ ኣቕርቡ። ኣቕርቡ። ቋንቋ ናይግድን ክትማሃሩ ክትክእሉ ኣለኩም። ስቕኢልኩም ብኢደዋኒንኩም ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዙ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተድኣ ክትግዕዙ ደሊኹም፣ ናብ‘ዚ ዝስዕብ ኪዱ Migrationsberatungs-Stelle።