Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ቋንቋ ከምኡ‘ውን ትምህርቲ

ጀርመን ክትመሃሩ ደሊኹም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክትከዱ ደሊኹም ወይ ሓደ ሞያ ክትመሃሩ ደሊኹም? ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። ከከም መቦቆል-ሃገራትኩም ከምኡ‘ውን ከከም ታሴራኹም፣ ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ ክትምሃሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ቆልዑ ትሕቲ 18 ዓመታት ናይ ግድን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም።

ቤት-ትምህርቲ፣ መዋእለ-ህጻናት፣ ሞያ፣ ከምኡ‘ውን ዝለዓለ-ትምህርቲ

ኩሎም ቆልዑ ኣብ ጀርመን ናይ ትምህርቲ ግዴታ ኣለዎም። ናይ ትምህርቲ ግዴታ ማለት፣ ንስኹም ናይ ግድን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክትከዱ ኣለኩም። ሓደ ቆልዓ ዝበሃል ኣብ ጀርመን፣ ካብ 18 ዓመት ዝነኣሰ ዕድመ ዘለዎ እዩ። ኣብ ባደን-ቩርተምበርግ (Baden-Württemberg) ዝተፈላለየ ዓይነታት ናይ ትምህርቲ ኣሎ።
እንተድኣ ሓደ ሞያ ክትመሃሩ ደሊኹም፣ ናይ ሞያ-ትምህርቲ ( Ausbildung) ወይ ክኣ ዝለዓለ-ትምህርቲ (Studium) ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሎም ሰባት ናይ ሞያ-ትምህርቲ ( Ausbildung) ይኹን ዝለዓለ-ትምህርቲ (Studium) ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም።

ናይ መዋእለ-ህጻናት ቦታ
ካብ 3 ዓመት ዝነኣሰ ዕድመ ዘለዎ ቆልዑ፣ ኣብ ጀርመን ናብ ናይ መዋእለ-ህጻናት ቦታ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እንተድኣ ቆልዓኹም ዕድሚኡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ፣ መሰል ኣለዎ ናብ መዋእለ-ህጻናት ክኸይድ። ኣብ ጀርመን ኩሉ ግዜ እኹል ዝኾነ ናይ መዋእለ-ህጻናት ቦታ የለን።ምስቶም ኣብ ትነብሩሉ ቦታ ዝርከቡ መዋእለ-ህጻናት ተዘራረቡ ኢኹም ወይክኣ ናብ ናይ ምኽሪ-ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle። እንተድኣ ናይ ገንዘብ እቶት ዘይብልኩም፣ እዚ ዝስዕብ Sozialamt ወይክኣ እዚ Job Center እቲ ገንዘብ ናይ መዋእለ-ህጻናት ይኸፍለልኩም ።ናብ ናይ ምኽሪ-ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle

መዋእለ-ህጻናት
እንተድኣ ቆልዓኹም ዕድሚኡ ልዕሊ 3 ዓመት ኮይኑ ከምኡውን ትሕቲ 6 ዓመት፣ ናብ መዋእለ-ህጻናት ቦታ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። መሰል ኣለዎ ናብ መዋእለ-ህጻናት ክኸዱ። ኣብ ጀርመን ኩሉ ግዜ እኹል ዝኾነ ናይ መዋእለ-ህጻናት ቦታ የለን።ነቶም መዋእለ-ህጻናት ወይክኣ ነቶም ናይምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle። እንተድኣ ናይ ገንዘብ እቶት ዘይብልኩም፣ እዚ ዝስዕ Sozialamt ወይክኣ እዚ ናይ ስራሕ-ማእከል JobCenter ነቲ ገንዘብ ይኸፍለልኩም። ናይ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle። ቆልዑ ገና፣ ጽቡቕ ጀርመን ዘይዛረቡ፣ ገለ ግዜ ንንውሕ ዝበለ ናብ መዋእለ-ህጻናት ክኽዱ ይኽእሉ ኣዮም። ነዚ ዝስዕብ ሕተቱ Jugendamt ወይ ክኣ ናብ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle

ትምህርቲ
እንተድኣ ቆልዓኹም ዕድሚኡ ልዕሊ 6 ዓመት ኮይኑ ከምኡውን ትሕቲ 18 ዓመት፣ ናይ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ ኣለዎ። ናይ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ ማለት፣ እቲ ቆልዓ ናይ ግድን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ኣለዎ። ንቋንቋ ንምምሃር ኣብ ጀርመን ዝተፈላለየ ቤት-ትምህርትታት ከምኡ‘ውን ገለ ግዜ ዝተፈልየ ክፍሊታት ኣለዋ። እተን ክፍሊታት ናይ ምድላው-ክፍልታት ይብሃላ። ንሓንቲ ቤት-ትምህርቲ ወይ ክኣ ናብ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle
ከምኡ‘ውን ኣብ መንጎ 18 ዓመት 21 ዓመት ዝርከቡ ሰባት ገለ ግዜ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም።ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ገለ ግዜ ተወሳኺ ክፍልታት ኣለዋ።ብዛዕባ VABO-ክፍሊታት (VABO => Vorqualifizierungsjahr Arbeit und Beruf für Jugendliche ohne Deutschkenntnisse=>ማለት ናይ ጀርመን ክእለት ዘይብሎም መንእሰያት ሓደ ዓመት ሞያ ዝመሃርሉ) ሕተቱ ኢኹም። መብዛሕቱ እዋን እዘን እዘን ክፍሊታት ናይ ሞያ እየን።
ኣብ Baden-Württemberg ቆልዑ ቀዳምነት ናይ ምምሃር ግደታ ኣለዎም፣ እንተድኣ ካብ 6 ወርሒ ዝበዝሕ ኣብ ጀርመን ተቐሚጦም፣ እዚ ሕጊ አዚ ግን ካፍታ ናብዚ ዓዲ ዝኣተካላ ዕለት እዩ። ናብ ምኽሪ ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle

ናይ ሞያ-ትምህርቲ
እንተድ‘ኣ ናይ ሞያ-ትምህርቲ ክትመሃሩ ደሊኹም፣ ሞያ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ግድን ጀርመን ክትዛረቡ ኣለኩም ምናልባሽ‘ውን ባጀላ ክህልወኩም ኣለዎ። መብዛሕቱ እዋን B1 ናይ ቋንቋ ጀርመን ደረጃ ክህልወኩም ኣለዎ ምእንቲ ናይ ሞያ ክትመሃሩ። እንተድ‘ኣ ባጀላ ኣለኩም ወይ ባጀላኹም ኣጥፊኩሞ፣ ነዚ ዝስዕብ ሕተቱ Anerkennungsberatung። ኣብ ጀርመን ሓደ ቤት-ትምህርታዊ ናይ ሞያ-ትምህርትን ከምኡ‘ውን ናይ ሞያ ሞያዊ-ትምህርትን ኣሎ። ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle
ዝኾነ ሰብ ናይ ሞያ-ትምህርቲ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ገለ ግዜ ኣብ ስደተኛታት ጀርመን ዋላ ሓደ ናይ ሞያ-ትምህርቲ ክገብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ዝያዳ ሓበሬታታት ናይ ሞያ-ትምህርቲ ክትገብሩ ይፍቀደልኩም ምዃኑ ምእንቲ ክትፈልጡ፣ኣዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም >>ኣብቲ ሊስታ ናይ Tabelle der GGUA (ግን ብጀርመን ጠራይ) ። ኣሎ። ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle
ዋላኳ ናትኩም ናይ ዑቕባ-መስርሕ ተነጺጉ ይኹን፣ መብዛህቱ እዋን ናይ ሞያ-ትምህርቲ እንተሊኩም ኣብ ጀርመን ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዝስዕብ ክኣ ትወሃቡ፣ ናይ ሞያ ትምህርቲ-Duldung ። ናብ ምኽሪ ኣካል(ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle

ዝለዓለ-ትምህርቲ(ንኣብነት ዩኒቨርስቲ)
ኣብ ጀርመን ዝለዓለ ትምህርቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ግድን ጽቡቕ ጀርመን ክትዛረቡ ኣለኩም ከምኡ‘ውን ባጀላ ክህልወኩም ኣለዎ። እቲ ባጀላ ናብ ጀርመን ዝተተርጎመ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ምኽሪ ኣካል (ቦታ)ኬድኩም ሕተቱ Beratungs-Stelle ወይ ክኣ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ሕተቱ። እንተድኣ ባጀላ ኣለኩም ወይ ክኣ ባጀላኹም ኣጥፊእኩሞ ኴንኩም ንናይ ኣፍልጦ-መኸርቲ ሕተቱ ኢኹም።

ናይ ቋንቋ-ትምህርቲ

ኣብ ሃገር ጀርመን፣ናይ ጀርመን ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ቁንቋ ትምህርቲ ደረጃታት ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ቋንቋ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኡ እዋን እኹል ዝኾነ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ የለን።

ቋንቋ ንጀመርቲ
ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ጀመርቲ ቋንቋ ትምህርቲ ክወስድ ይኽእል እዩ።ኣብ ናይ ጀመርቲ ትምህርቲ ቋንቋ፣ዉሑድ ቦታታት እዩ ዘሎ። መብዛሕቱ እዋን ቅድሚ ምጅማርኩም ምጽባይ ኣሎኩም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፣ ዝተፈላለዩ ቅጥዒታት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ንጀመርቲ ኣሎ። ንBeratungs-Stelle ወይ ክኣ ንማሕበራ-ጉዳይ ሓለፍቲ(Sozialamt) ሕተቱ፣ እንተድኣ ናይ ጀመርቲ ቋንቋ ክትመሩ ደሊኹም።break/]
ናይምውህሃድ ቋንቋ-ትምህርቲ (Integrationskurs)
እቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ 6 ወርሒ ይወስድ፣ ገንዘብ‘ውን ይኽፈሎ እዩ።ዝኾነ ሰብ ቋንቋ ክመሃር ይኽእል እዩ እንተድኣ እቲ ገንዘብ ባዕሉ ክኸፍሎ ይኽእል ኮይኑ።

እቲ ናይ ምውህሃድ ወይ (Integrationskurs) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ፣ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ነጻ እዩ፣እንተድኣ ዘይሰርሑ ኮይኖም
- ሰባት ምስ Aufenthaltserlaubnis።መሰል ኣለኩም ናይ ምውህሃድ ወይ (Integrationskurs) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክትምሃሩ። እንተድኣ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ቦታ ዘይረኺብኩም፣ንናይ ምኽሪ-ኣካላት ሕተቱ ኢኩም (ናይ ምውህሃድ ናይ ምኽሪ-ቦታ).
- ሰባት ካብ ኤርትራን ሶርያ ኣብ BAMF። ን Beratungs-Stelle ሕተቱ ኢኹም።
ንኽሉ ሰብ፣ ንቲ ቅድሚ 1 ነሓሰ 2019 ናብ ጀርመን ዝመጻኩም፣ ዝተሓተ 3 ወርሒ ኣብ ጀርመን ዝገበረን፣ ኣብ ናይ ስደተና መስርሕ[Asylverfahren] ዝርከበን ኽም ስራሕ ዝደሊ ዘሎ ስራሕ ዘይብሉ ዘመዝገበን።
ሰባት ምስ ፉሉይ ዓይነት ዱልዱም (§ 60a Abs. 2 Satz 3 AufenthG).[break/ ምናልባት ቦታ ዘየለ ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክኮወን ይኽእል እዩ። መብዛሕቱ እዋን ቅድሚ ምጅማርኩም ነዊሕ ክትጽበዩ ኣለኩም።

ካልእ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ[
ኣብ ውሽጢ ሓደ ከተማ ካልእ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። ነዞም ዝስዕቡ ተወከሱ ኢኹም ናይ ምኽሪ ኣካላት.

ብውልቃዊ ድሌት ዝወሃቡ ናይ ቋንቋ ትምህርትታት
ኣብ ገለ ከተማታት ክብራዊ(ብነጻ ድሌት ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኣሎ። እቶም መምሃራን ገንዘብ ኣይወሃቡን እዮም ከምኡ‘ውን ናይ ምምህርና ሞያ ዘለዎም ኣይኮኑን። ኣብ ናይ ክብራዊ(ብነጻ ድሌት ሰብ ዝሕግዙ) ናይ ቋንቋ ትምህርቲ መብዛሕቱ እዋን ቀልጢፍኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ክብራዊ(ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ) ነዞም ዝስዕቡ ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle ብዛዕባ ክብራዊ(ብነጻ ሰብ ዝሕግዙ)።

ቋንቋ ናይ ምምሃር መደብ
ጀርመን ንክትመሃሩ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ከምኡ‘ውን App(ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣብ ኢንተርኔት) ኣለኩም። ዝርዝር ኣብ‘ዚ ዝቕጽል ኢንተርኔት ገጽ ናይ Pro Asylኣለኩም።