Cookie ንጥቀም ኢና። ናትና ናይ ኢንተርኔት-ገጽ ብምጥቃምኩም፣ ናትና ናይ ዳታ - ምክልኻል መግለጺ ትቕበሉዎ ኣለኹም ማለት‘ዩ

Welcome
Small topic picture

ከመይ‘ዩ ዝመስል(ዝሰርሕ) እቲ ናይ ዑቕባ-መስርሕ?

እቲ ወሳኒ(ውሳኔ ዘመሓላልፍ) ኣብ ናይ ዑቕባ-መስርሕኩም እዚ‘ዩ Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ፣ ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ክትጸንሑ ይግበኣኩምዶ ዝብልን፣ ከምኡ‘ውን ኣየናይ ደረጃ(ዝተፈላለየ ናይ መቐመጢ ወረቐት ደረጃታት ኣሎ) ከም [/break] ትረኽቡ። ስለ ዝኾነ ጽቡቕ ጌርካ ምድላው ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ![/break] እቲ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ገለ ግዜ ሓጺር ገለ ግዜ ክኣ ኣዚዩ ነዊሕ እዩ ዝወስድ።[/break]

እቲ Asyl-Antrag ብቐዳምነት ናይግድን ናብ ክትከዱ ኣለኩም

ብቐዳምነት ናይግድን ናብ ክትከዱ ኣለኩም Erstaufnahme-Stelle (EA). ንሓደ ናይ ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ሕተቱ Beratungs-Stelle፣ ኣበይ እቲ ዝቐረበ EA ከምዝኾነ። ኣብ EA ሕቶ ናይ ዑቕባ ትገብሩ Asyl-Gesuch. ደሓር ሓደ Asyl-Antrag ክትገብሩ ትኽእሉ። እዚ ገለ እዋን ሓጺር ግዜ‘ዩ ዝወስድ፣ ገለ እዋን ክኣ ነዊሕ ግዜ ይወስድ።
ነቲ Asyl-Antrag ናይ ግድን ኣብ Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ተቕርብዎ። እንተድኣ ኣብ EA ትቕመጡ ሃሊኹም ሓደ ቆጸራ ይወሃበኩም ንናይ Asyl-Antrag ኣብ ውሽጢ ደብዳቤ ወይ ከኣ እቲ ቆጸራታት ኣብ ሓደ ሊስታ፣ ኣብ EA ተሰቒሉ ትረኽብዎ ኢኹም። ሕተትዎም ኢኹም ነቶም Beratung in der Erst-Aufnahme. እንተድኣ ኣብ ውሽጢ Gemeinschafts-Unterkunft (GU) ትቕመጡ ሃሊኹም፣ እቲ ቆጸራ ኣብ Asyl-Antrag ኣብ ሓደ ደብዳቤ ይወሃበኩም።
ናይ ግድን ናብቲ ቆጸራ ክትከዱ ኣለኩም። እንተድኣ ናብ‘ቲ ክትከድ ዘይትኽእሉ ኴንኩም (ንኣምነት ብሕማም ምኽንያት)፣ ምስቶም ናይ ምኽሪ-ኣካል ክትዘራረቡ ኣለኩም Beratungs-Stelle.
ንተድኣ Asyl-Antrag ኣብ ምቕራብ ኣለኹም፣ ናይ ግድን ብዛዕባኹም ግላዊ መረዳእታ ክትህቡ ኣለኩም። ግላዊ መረዳእታ፣ ሓበሬታታት ብዛዕባኹም እዩ። ንኣብነት ስምኩም፣ዝተወለድኩምሉ ዕለት ከምኡ‘ውን ዜግነትኩም። እዚ BAMF እውን ሓደ ናይ ጉዕዞ መገዲ-ሕቶታት ይገብር እዩ።
እንተድኣ ሓደ Asyl-Antrag ኣቕሪብኩም ኴንኩም፣እዚ ዝስዕብ ክትወሃቡ ኢኹም

እቲ ናይ ጉዕዞ መገዲ-ሕቶታት (Die Reiseweg-Befragung)

መብዛሕቱ እዋን ናይግድን፣ ብኸመይ ናብ ጀርመንን ኤሮጳን ከምዝመጻእኩም ክትገልጹ ኣለኩም። እዚ ከኣ ናይ ጉዕዞ መገዲ-ሕቶታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ገለ ግዜ እዚ BAMF ዝብሃል እውን ሓደ ደብዳቤ ክሰደልኩ ይኽእል‘ዩ ብዛዕባ Reiseweg-Befragung። ሽዕኡ ንምንታይ ናብተን ካልኦት ኤሮፓውያን ሃገራት ክትምለሱ ከምዘይትደልዩ እውን ክትገንጹ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብተን ሃገራት እንታይ ከምዘሕለፍኹም ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም።
እንተድኣ ኮይኑ፣ እንተድኣ እዚ BAMF ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምትቕመጡ ዋላሓደ ጭብጢ ዘይብሉ ኮይኑ እቲ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ኣብ ጀርመን ክግበር ይከኣል እዩ። ኣብቲ ናይ ጉዕዞ መገዲ-ሕቶታት ክትሕስዉ ኣይግብኣኩምን እዩ።እንተድኣ ብርግጽ ዘይዘከርኩሞ፣ ከምዘይትዝክርዎ
ክትዛረቡ ኣለኩም። ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም Das Dublin-Verfahren

እቲ Die Anhörung

ኣብ ቃለ-ምሕትት (Anhörung)፣ ግደታ ካብ ሃገርኩም መውጺኩም መኽንያት ኪትገልጽዎ ኣለኩም።መብዛሕቶም ሰባት ነዚ ቃል-ምሕትት ኢንተርቪው እዮም ዝብልዎ።

እቲ እትገብርዎ ቃለ-ምሕትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለ ዝኾነ ኽኣ ጽቡቕ ጌርኩም ክትዳለዉ ኣለኩም። ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ንዕኡ ዝምልከት ጽሑፋትን asyl.net ፊምታትን ኣሎ ኣብዚ asylindeutschland.de። ኣብዚ ሒተቱ Beratungs-Stelle ከምኡ‘ውን ብዛዕባ ነቲ እትገብርዎ ቃለ-መሕትት ሐገዝ ከምዘድልየኩም ንገሩ ኢኹም።

ቃለ-መሕትት ንምግባር ሓጺር ወይ ክኣ ነዊሕ ግዜ ክወስደልኩም ይኽእል እዩ።
ድሕሪ ቃለ-ምሕትት ምግባርኩም እቲ ሃገራዊ በዓል-ስልጣን ንፍልሰትን ስደተኛታትን(BAMF) ብዛዕባ ተቐባልነትኩምን ዘይተቐባልነትኩምን ይውስን። እቲ ሃገራዊ በዓል-ስልጣን ንፍልሰትን ስደተኛታትን(BAMF) ብተወሳኺ በየናይ ናይ status ናይ ተቐባልነት ደረጃ ኢኹም ኣብ ጀርመን ክትጸንሑ ዝግባኣኩም ይውስን።
እንተድኣ ኣብ‘ቲ ቀዳማይ ናይ መቐበሊ ቦታ (EA) ኣሊኩም፣ ቆጸራ ና‘ቲ ቃለ - ምሕትት ብደብዳቤ መልክዕ ክወሃበኩም እዩ፣ወይ ክኣ እቲ ቆጸራ ኣብ ሊስታ ኣብ መንደቕ ተጠቂዑ ክትረኽብዎ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ አዚ ኢንተርቪው ልከዕ ድሕሪ ጥያቐ ናይ ዕቁባ ምስ ኣቕረብኩም ኪግበር ይክእል እዩ። ምክሪ ሕተቱ ኣብ መቀበሊ ቦታ ኢኹም። እንተድኣ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መቐመጢ ትነብሩ ሃሊኹም፣ Gemeinschafts-Unterkunft (GU) እቲ ቆጸራ ናይ ቃለ-ምሕትትኩም ብደብዳቤ መልክዕ ክንገረኩም እዩ። ናይ ቃለ-ምሕትት ቆጸራ እንተድኣ ሃልይኩም፣ኩሉ ግዜ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ኣብ ቆጸራኹም ክትርከቡ ኣለኩም። ይኹን ደኣምበር እቲ ቃለ-ምሕትት ደንጒዩ ክግበር ይኽእል ይኸውን። ቅድሚ‘ቲ ናይ ቃለ-ምሕትትኩም ቆጸራ ኣብቲ ናይ መቐበሊ ቦታ ክትሓድሩ ኣለኩም። ናይ ትራንስፖርት(ማለት ናይ ባቡር ይኹን ኣውቶቡስ) ክኽፈለልኩም እዩ።ነቶም ማሕበራዊ-ኣገልግሎት(Sozialamt) ሕተቱ ኢኹም
። ናይ ግድን ናብ ቆጸራኹም ክትከዱ(ክትርከቡ) ኣለኩም። እንተድኣ ኣብ ቆጸራኹም ክትርከቡ ዘይትኽእሉ ኴንኩም (ንኣብነት ብሕማም ምኽንያት)፣ ምስቶም ናይ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ) ተዛራረቡ ኢኹም። Beratungs-Stelle.



ምድልው ነቲ ቃለመሕትት
እቲ ቃለመሕትት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ቃለመሕትት ጽቡቕ ጌርኩም ተዳለዉሉ ኢኹም። ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ‘ሎ ብዛዕባኡ asyl.net ከምኡ‘ውን ሓደ ፊልም ኣብቲ ናይ ኢንተርኔት ገጽ ኣሎ asylindeutschland.de፣ ሓደ ዝርዝር ካብ ሕቶታት ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ቃለ መሕትት ዝሕተት፣ ኣብዚ ኪትረክብዎ ትኰሉ እኩም hier። ኣብ ግምት ከተአትውዎ ዘለኩም ግን፣ አዚ ሕቶታት አዚ አቲ ብብዝሒ ዝሕተት ኣብነት አዩ። ዝተፈልየ ሕቶታት ውን ኽትሕተቱ ተኽአሎ ኣሎ። እቲ ዝበለጸ ቆጸራ ኪትገብሩ ኣማከርቲ ኣካላት እቲ ነዕኻ ዝምልከት ኢንተርቪው ከ ማክሩኩም። እቲ ኢንተርቪው ከቢድ አዩ፣ ግን ኸኣ ናትኹም ግድታ አዩ፣ ኣብ ቃለ መሕተት ኩሉ ኽትዛረቡ አቲ ኣገዳሲ ዝኮን። ወላ አንትድኣ ብቅጥታ ዘይተሃተትኹም፣ ሓብሩ አንታይ ከም ዘጋጠመኹምን ኣብ ሃገርኩም፣ ስለምንታይ ከ ሓደገና ይከውን፣ አንድሕር ንሃገርኩም ተመሊስኩም። ንናይ ምኽሪ-ኣካል(ቦታ) ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle በሉዎም ክኣ፣ ሓገዝ ነቲ ቃለ መሕትት ትደልዩ ከምዘለኹም።

ቅልጡፍ መስርሕ „ካብ ዉሑስ መቦቆል ሃገራት“
ናይ ጀርመን መንግስቲ ገለ ግዜ ንገለ ሃገራት „ዉሑስ ገርካመቦቆላዊ ሃገራት“ ኢላ ትሰምየን (ትጽውዐን)።ኣልባንያ፣ ቦዝንያ-ሄርሲጎቪንያ፣ ጋና፣ ኮዞቮ፣ ማሰዶንያ፣ መንተነግሮ፣ ሰኔጋል ከማኡ‘ውን ሰርቢያ „ዉሑስ መቦቆላዊ ሃገራት“ (Sichere Herkunftsstaaten) ተባሂለን ይጽውዓ. ዝያዳ ሓበሬታ ኣለኩም ኣብ ምዕራፍ ሓበረታ ነቶም ካብ ዉሑሳት ሃገረ ዝመጻኩም“.
። እቲ BAMF ንካብ„ዉሑስ መቦቆላዊ ሃገራት“ ዝመጹ ሰባት ቅልጡፍ ናይ ዑቕባ-መስርሕ‘ዩ ዘካይደሎም(ዝገብለሎም)። እቲ BAMF ቀልጢፉ ክነጽጎም‘ዩ ዝደሊ። ነዚ ቃለ መሕትት ጽቡቕ ጌርኩም ተዳለዉሉ ኢኹም! ኪዱ ቀልጢፍኩም ናብዚ ምክሪ ኣካል!

እቲ ውሳኔ (Die Entscheidung)

ድሕሪ እቲ Anhörung ክሳብ‘ቲ ውሳኔ ትወሃቡ፣ እቲ ግዜ ሓጺር ክኸውን ይኽእል ንዊሕ‘ውን ክኸውን ይኽእል።
እንተድኣ ውሳኔ ዝሓዘት ደብዳቤ ተዋሂብኩም፣ ንናይ ምኽሪ-ኣካል ሕተቱ ኢኹም Beratungs-Stelle። እንተድኣ እቲ ውሳኔ ከም ሕማቕ ወሲድኩሞ (ዘይተቐበልኩሞ)፣ ናብ ምምሕዳር-ቤት ፍርዲ ኬድኩም ክሲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ዝያዳ ሓበሬታታት እዚ ዝስዕብ ኣዩ፣ Nach der Ablehnung des Asyl-Antrags – Rechtshilfe und weitere Perspektiven, Aufenthaltsbeendigung und Abschiebung und Anerkennung des Asyl-Antrags.

እንተድኣ ዘቕረብኩሞ Asyl-Antrag ተነጺጉ፣ ብቐጥታ ክትስጎጉ ኢኹም ማለት እየስምዕን እዩ።

እቲ ናይ መንጸግቲ-ደብዳቤ ብቦስጣ ኣብ ሓንቲ ብጫ ሰታሪት ተዓሺጉ‘ዩ ዝመጸኩም። ኣብቲ ሰታሪት ዕለት ተጻሒፉ ኣሎ።
እዚ ደብዳቤ‘ዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ነታ ሰታሪት‘ውን ዓቅቡዋ ኢኹም።

ንውሓት ናይ ዑቕባ-መስርሕ (Lange Dauer Asyl-Verfahren)

ገለ ግዜ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ ክሳብ ስደትኛ ፎርም ትመልኡ (Asyl-Antrag)እተቕርቡ።ገለ ግዜ ኽኣ ብዙሕ ግዜ‘ዩ ዝወስድ ክሳብ ኢንተርቪው (Anhörung) ወይ ክኣ ሓደ ውሳኔ ትወሃቡ።
ዋላውን ቀልጢፉ ክሰልጥ እንተ ደሊኹም፣ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ክትገብሩዎ ትኽእሉ ነገር እንተ ሃሊዩ ግን ን BAMF ሓደ ደብዳቤ ምጽሓፍ‘ዩ፣ ከምኡ‘ውን ሕቶ ኣቕሪብካ ክንደይ ከም ዝወስድ ምፍላጥ‘ዩ። እንተድኣ እዚ BAMF መልሲ ዘይሃበኩም፣ ደዊልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ናብ ናይ ምኽሪ-ኣካል (ቦታ) ኪዱ ኢኹም Beratungs-Stelle።ገለ ግዜ ንዓኹም ጽቡቕ‘ዩ፣ እንተድኣ እቲ ናይ ዑቕባ-መስርሕ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ። ምናልባሽ ገለ ኣንፈት ክትገብሩ(ክትቀርጹ) Perspektiven ትኽእሉ ኢኹም ኣብ ርእሲ‘ቲ ናይ ዑቕባ-መስርሕ።

ዝያዳ ሓበሬታታት

ዝያዳ ሓበሬታታት ኣብ‘ዚ ዝስዕብ ናይ እንተርኔ ገጽ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም w2eu። ኣቲ ሓበሬታታት ንዓረብ፣ ብእንግሊዝ፣ ብፋርስ (ኢራን) ከምኡ‘ውን ብፈረንሳ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።